2009-08-15 13:58:55

ቪየትናም


መንግሥቲ ቪየትናም ኣብ ሃገሩ ዝርከብ ንብረት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ይወርስ ከምዘሎ ተሓቢሩ።’ ካቶሊክ ምእመናን ቪየትናም ብዝተፈላለየ መገዲ ነቲ ናይ መግንሥቶም ውሳኔ ተቓውሞኦም ከምዘለዉ ቪየትካቶሊክ ኔውስ እተሰምየ RealAudioMP3 ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ናይ ቪየትናም ብፁዓን ጳጳሳት እዚ ናይ ቪየትናም መንግሥቲ ውሳኔ ናይቲ ብእግዚኣብሐር ዝተዓደለ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ፍቓድን ዝሓክኽን፣ ናይ ሕዝቢ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ዝረግጽ ኢዩ ኢሎም። ናይ መንግሥቲ መራኸቢ ብዙሃን ምእመናን ካቶሊካውያን ዘካይድዎ ዘለዎ መሰሎም ናይ ምርግጋጽ ከይዲ ጸረ ሃገርን ሕዝብን ኢዩ ቢሎም ይገልጽዎ ከምዘለዉ እቲ ቪየትካቶሊክ ናይ ዜና ኣገልግሎት ዝዘርግሖ ምንጪ ዜና የመልክት።

እዚ ናይ መንግሥቲ ውሳኔ’ዚ ኣብዛ ሃገር ዘገልግል ዝነበረ ምውናን ናይ ብሕቲ ንብረት ዝኽልክል ሕጊ መሊሱ ዘተኣታትው ምዃኑ ናይ’ዛ ሃገር ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ሓባር መግለጺ ብምምልካት፣ እቲ መንግሥቲ ዝፍጽሞ ዘሎ ምህጋር ንብረት ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ነቲ ዓለም ለኸ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ውሳኔ ዝቃወም ኢዩ ከምዝበለ ቪየትካቶሊክ ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ። ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ቪየትናም እቲ ናይ መንግሥቲ ውሳኔ ናብ ምግባረ ብልሽውና ዝድርኽ እውን ኢዩ ከምዝበሉ እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ነቶም ኣብ ቫቲካን ንሓዋርያዊ ምብጻሕን ንምስላም ድርኵኺት ባሲሊካ ቅዱስ ጴጥሮስን ናብ ቫቲካን መጺኦም ንዝነበሩ ናይ ቪየትናም ብፁዓን ጳጳሳት ተቐቢሎም ኣብ ዝስምዕዎ ዘረባ፣ ቤተ ክርስትያን ናይ ፖለቲካን መንግሥትን መራሕቲ ክትክእ ድላይ የብላን ዕላማኣን ጸዋዕታኣን እውን እይኮነን፣ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ብናይ ምትሕብባርን ምክብባርን መንፈስ ዝተሰነየ ዘተ ተኸቲላ ንናይ ሃገርን ሕዝብን ረብሓ እተገልግል ኢያ ዝበልዎ ሓሳብ ናይ ቪየትናም ብፁዓን ጳጳሳት ዳግም ከምዝገለጽዎ ቪየትካቶሊክ ኔውስ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.