2009-08-15 10:40:31

በዓለ ፍልሠታ ለማርያም


ሥርዓተ ላቲን እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሎሚ በዓለ ፍልሠታ እኖና ቅድስት ድንግል ማርያም ብዓቢ መንፈሳውነት አብዒላ።

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ሎሚ ንጋሆ ብአቆጻጽራ ሰዓት ሮማ ሰዓት 8 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ቝምስና ቅዱስ ቶማስ ናይ ቢላንዎቫ ኣብ ካስተንጋንደልፎ ከምዝቀድሱን ከምዝሰበኹን ስብከቶም እውን ኩሉ ብተለቪዥንን ብራድዮን ብቐጥታ ናብ ምሉእ ዓለም ተዘርጊሑ።

ኣብቲ ዚዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብዙሓት ጳጳሳትን ካህናትን ደናግልን ምእመናንን ተሳቲፎም። ቅዱስነቶም ነዚ ዚስዕብ ቃለ እግዚአብሔር ሰቢኾም።

ብጵጵስናን ክህነትን ኣሕዋተይ ዝኾንኩም ክቡራን ጳጳሳትን ካህናትን

ክቡራንን ክቡራትን ምእመናን ክርስቶስ

ናይ ሎም ዘመን በዓለ ፍልሰታ እግዚእትነ ማርያም ኣብ ታሪኽ ድሕነት ደቂ ሰባት ዘበርከተቶ ግደ ክነስተንትን ይዕድመና። ስለዝኾነ ከአ ቤተ ክርስያን በዓለ ፅንሰታ በዓለ ትስብእቱ በዓለ መለኮታዊ አደነታ በዓለ ፍልሠታ ክትዝክር ከላ መሠረታውያን ምዕራፋት ታሪኽ ድሕነትን ኣብ ነንሕድሕዶም ዝተአሣሰሩን ኮይኖም ቤተ ክርስትያን በዘን በዓላት እዚአን ጌራ ንእኖ ኣምላኽ ዝኾነት እግዚእትነ ማርያም ትውድስ፣ ኮይኑ ግን ኣብዘን በዓላት እዚኤን ታሪኽ ድሕነትና እውን ክነንብብ ንኽእል።

ምሥጢረ ዕንሰታ ለማርያም ዘተፀንስኪ እንበለ ሓጢአት አዳም ጥንተ ፍጥረት ደቂ አዳም ይገልጽ፣ እዚ ኸአ አምላኽ ንወዲ ሰብ ክፈጥር ከሎ አብ መደቡ ደቂ አዳም ናይ ንጽሕተ እምንጹሓን ዝኾነት ማርያም ንጽሕናን ጽባቄን ክህልዎም ሓንጺጹ ከምዝነበረ ይገልጽ። እዚ መደብ እዚ ብሓጢአት አዳም ተጐዲኡ ግንከ ብምሥጢረ ትስብእቱ ዝተበሠረን ብእኖና እግዚእትነ ማርያም ኣብ ግብሪ ዝወዓለን ምሥጢረ ሥጋዌ ፈዊስዎ፣ ዝኾነ ወዲ አዳም ከአ ብነጻነቱ ነዚ ብምቅባሉን ብምእማኑን ክድሕን ይኽእል።

ፍልሠታ ለማርያም እንክነስተንትን እዚ በዓል እዚ ነቲ አሠር ክርስቶስ ብምስዓብን ንቃሉ ብምእዛዝን ክንኮነ ዝተጸዋዕናዮ ናይ መፈጸምታና ጸዋዕታ ድሕነትን ፍጽምናን የመልክት። እዚ ናይ እኖናን እኖ አምላኽን ዝኾነት እግዚእትነ ማርያም ምድራዊ ጉዕዞ ናይ መጨረሻ ምዕራፍ ዘመልክት በዓል እዚ አብነታ ብምኽታልን አተሕሳስባአን አመለኻታአን ብምስዓብን ናብቲ ሰማያዊ ዘለዓለማዊነት ከነተኵር ይዕድመና።

ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ቅዱስ ሉቃስ ኣብ ምዕራፍ 1 ቍ 39 ‘ድሕሪ ብሥራት ገብርኤል መልአኽ ንቅድስቲ ኤልሳቤጥ ንኽትበጽሕ ማርያም ተንሢአ ተቀላጢፈ ናብ ዝባውንቲ ይሁዳ ከደት’ ይብል። ሉቃስ ወንጌላዊ ነዚ ብምባሉ እኖና እግዚእትነ ማርያም ጸዋዕታአ ንምኽባርን ንምስዓብን ነቲ ብሓይሉ አጽሊሉ ንምሥጢረ ሥጋዌ ክውን ዝገበረ መንፈስ ቅዱስ ብምእዛዝ ንኩሉ ኣብ ኢድ እግዚአብሔር ብምሕዳግ ንሱ ዝመርሖ ሓዲስ መንገዲ ሓዲስ ጉዕዞ ሕይወት ብቅልጡፍ ከምዝጀመረት ይገልጸልና። ቅዱስ አምብሮዝዮስ ነዚ ክትንትን እንከሎ ‘ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ዛሕሊ ኣየፍቅድን’ ይብል። ሕይወት እኖና እግዚእትነ ማርያም ካብ ላዕሊ እዩ ዝምራሕ ዝነበረ፣ ስለዝኾነ ከአ ‘እነሀኹ ባርያ እግዚአብሔር ከም ዝበልካዮ ይኹነለይ’ በለት። ብመንፈስ ቅዱስ ዝተሓንጸ ሕይወት ነበረ፣ ምስ ቅድስት ኤልሳቤጥ ምስ ተራኸበት ምሥክርነት ቅድስት ኤልሳቤጥ ምናዳ ኸአ ርክብ ምስ ክርስቶስ ወዳ ብዝምልከት ንኩሉ ኣብ ልባ እናሓዘትን እናተዓዘበትን ምሥጢራዊ መደብ ድሕነት አምላኽ ተስተንትን ነበረት።

ንኢየሱስ ሒዛ ካብ ቤተ ልሔም ንግብጺ እንክትስደድ ነቲ ሕቡእ ሕይወት ኢየሱስ ከምኡ እውን ክሳብ እግሪ መስቀል ኣብ ትምህርቱን ተልእኮኡን ብምስታፍን ብምስትንታንን ኣብቲ ብርቱዕን ፈታንን ጸልማትን ጊዜ ከይተረፈ ሕልናአ ከየዕረበት ንኩሉ አብ ኢድ ኣምላኽ ብምሕዳግ ነፍሰይ ንእግዚአብሔር ተዕብዮ ትብል ነበረት።

በዓለ ፍልሠታ ለማርያም ምድራዊ ሕይወት እኖና ድንግል ማርያም ከም ሕይወት ኩሉ ክርስትያን አሰር ኢየሱስ ብምስዓብ ዚግበር ጉዕዞ ንጹር ሾቶ ዝሓዘ ኣብ ኃጢአትን ሞትን ወሳኒ ዓወት ዘጐናጽፍ ምስ እግዚአብሔር ውህደትና ዚገልጽ ኢዩ፣ ከመይ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፈውሶን ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ ምዕራፍ 2 ቍ 6 ዝብሎ ‘እግዚኣብሔር ኣቦ ንዓና እውን ብኢየኡስ ክርስቶስ ካብ ሞት ኣተንሢኡና ኣብ ሰማያት ምሳኡ ከም እንቅመጥ እውን ጌሩና እዩ’። እዚ ሓድነትን ትንሣኤን ኣባና ገና ኪፍጸም ዘለዎ እንትኾን ናይ እኖና ድንግል ማርያም ግን ድሮ ምስ እግዚአብሔር ኣቦን ምስ ወዳን ብምልአት ስለዝተወሃሃደት ድሮ ካብ ተንሢአ ምስኦን ተቀሚጣ አላ።

ትርጉም ፍልሠታ ለማርያም ብትምህርቲ ቤተ ክርስትያን እንኪለጽ ካልአይ ጉባኤ ቫቲካን አብ ብርሃነ አሕዛብ ምዕ 59፤ ‘እዛ ካብ ኩሉ ርስሓት ኃጢኣት ኣቦና ኣዳም ዝተሓለወት ንስሕቲ ድንግል ማርያም ምድራዊ ሕወታ ምስ ኣብቀዐት በነፍሰ ሥጋአ ናብ ሰማያሚ ክብሪ ፈለሰት፣ ነቲ ጐይታ ጐይቶትን ሰዓሪ ኃጢአትን ሞትን ዝኾነ ወዳ ብምልኣት መታን ክትመስል ድማ ከም መጠን ልዕሊ ኩሉ ነገራት ዝኾነት ንግሥቲ ብጐይታ ኸበረት” ይብል።

ኣብዚ ዓለም እዚ ሕይወት ደቂ ሰባት ከምቲ ኣብ ራእዩ ለዮሓንስ ምዕራፍ 12 ተመልኪቱ እንረኽቦ መንጎ ገበልን ሰበይትን ዘሎ ውግእ ቀጻሊ ውግእ መንጎ ክፍአትን ሠናይን እዩ፣ ዳርጋ ኣብ ማዕበላዊ ባሕሪ ብጸላም ምጉዓዝ እዩ፣ ኣብዚ ጉዕዞ እዚ እኖና እግዚእትነ ማርያም ናብቲ ልዕሊ ድቅድቅ ጸልማት ታሪኽ ዝበርቅ ወዳ እትመርሓና ኮኸብ እያ፣ ተስፋ ዓወት ብምሃብ ንሓዲሽ ሰማይን ሓዲሽ ምድርን እናተጸበና ብክፍአትን ብኃጢኣትን ከይንደሃል ተበራታዓና። ድሕሪ ምባል ጸሎት ቅዱስ በርናርዶስ ደጊሞም።








All the contents on this site are copyrighted ©.