2009-08-14 09:27:22

መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት.


ወይዘሮ ሽራይቨር ኬነዲ አብ መበል ሰማንያን ሸሞንተን ዕድምኤን ከም ዝዓረፋ ክምልከት ከሎ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ በቶም አብ ሕቡራት መንግስታት አመሪካ ናይ ቅድስቲ መንበር ሐዋርያዊ ወኪል ብፁዕ አቡነ ፒየትሮ ሳምቢ አቢሎም ንቤተሰብ ብዕረፍቲ ወይዘሮ ኤውኒስ ሽራይቨር ኬነዲ ዝተሰምዖም ሐዘን ገሊጾም ምእንቲ ዘለዓለማዊ ዕረፍተን ክአ ከም ዝጽልዩ ከም ዝገለጹ አብ ቫቲካን ዝወጸ መግለጺ ሐበሬታ ሂቡ አሎ።

ወይዘሮ ሽራይቨር ኬነዲ አብ ሕቡራት መንግስታት አመሪካ ብሕይወተን አብ ዝነበራሉ ግዜ ንአካለ ስንኩላንን በአእምሮአዊ ጸገም ንዝተተቅዑ ሰባትን ሰብአዊ ሐገዝ ዝገበራን ሰብአዊ ርሕራሔ ዝነበረንን ዘርአያን ካቶሊካዊት ከም ዝኾናን ይምልከት።

እዘን አብ ሰማንያን ሸማንተን ዕድምኤን ካብዚ ዓለም”ዚ ዝተፈልያ ወይዘሮ ኤውኒስ ሽራይቭር ኬነዲ ነቶም ናይ ሕቡራት መንግስታት አመሪካ መራሕ መንግስቲ ዝነበሩ ንጆን ኤፍ ኬነዲ ንናይ ፍትሒ ሚኒስተር ዝነበሩ ሮበርት ኬነዲ ንሰናተር ተድ ኬነዲ ሐፎም ከም ዝኾና ይዝከር። ቤተሰብ ኬነዲ ካብቶም ብ1969 ሀገራት ሐቆፍ ኦሎምፒክስ መስረቲ ከም ዝኾኑ ሐቢሩ ዝመጸ ዜና አዘኻኺሩ።

እተን አም ማሳሹትስ አብ ኬፕ ኮድ ሆስፒታል ሕክምና ዝግበረለን ዝነበረ እሞ በቲ ዝሐደረን ሕማም ካብዚ ዓለም”ዚ ዝተፈልያ ወይዘሮ ሽራይበር ኬነዲ ሐፍተን ሮዝመሪ ኬነዲ ብሕማም አእምሮ አብ ሽግር አብ ዝነበራሉ ግዜ ዝቀሰምኦ ተመኩሮ ተመርኲሰን ነቶም በዚ ሕማም”ዚ አብ ሕቡራት መንግስታት አመሪካ ዝተሸገሩ ሰባት አድላዪ ሕክምናን ክንክንን ይገብራሎም ከም ዝነበራን ብማኅበራዊ ሽግራት ንዝተጠቅዑ አመሪካውያንን ዘይኮኑን ሐገዝ የውፍያ ከም ዝነበራን ይምልከት።








All the contents on this site are copyrighted ©.