2009-08-13 14:04:24

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት


ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ዋና ጸሓፊ ባን ኪ ሙን ትማሊ ተዘኪሩ ብዝወዓለ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ምኽንያት ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ ዝኾነ ይዅን መንሰያት RealAudioMP3 ትምህርትን ክንክን ጥዕናን ናይ ምርካብ መሰል ክኽበረሉ ይግባእ ከምዝበሉ ተሓቢሩ።

ናይ መንሰይ ናይ መጻኢ ሕይወት ከስዕብ ዝኽእል እወታውን ኣሉታውን ጉዳያት ብዝምልከት RealAudioMP3 ኣብ ኢጣሊያ ብኣሕጽሮተ ቃል ፉቺ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ካቶሊክ መንበረ ጥበባት ማኅበር ሊቀ መንበር ሳራ ማርቲኒ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርኦ ቃለ ምልልስ፣ ሕይወት መንሰይ ኣብ ናይ ዓለም ታሪኽ ጽድያ ኢዩ ቢለን፣ ስለዚ ኢዩ ድማ ብዘይ መንሰይ ወለዶ ናይ መጻኢ ሕይወት የለን ዝበሃል። መንእሰይ ዘይብሉ ሕብረተሰብ ናይ መጻኢ ሕይወቱ ዝጸልመቶ ኢዩ፣ ምእንቲ’ዚ ናይ ዝኾነ ይዅን ኅብረተሰብ መጻኢ ሕይወት ጸልማት ከይከውን ንመደብ ዝተማልኤ ሕንጸት መንሰያት መግንሥታት ክተግሁ ይግባእ ኢለን።

ኣብ መንጎ መንሰይን ዓቢይ ክፍሊ ሕብረተሰብን ርክብ ክህሉ ኣለዎ፣ እቲ ናይ ጽባሕ ወለዶ ዝኸውን ናይ ሎሚ መንሰይ ቅቡል ብዝኾነ ግብእ መምርሒ ክስነን መሰሉን ፍፈቓዱን ክሕለወሉን ኣገዳሲ ኢዩ፣ እቲ ዅሉ ኣብ ዓለምና ዝኽት ሁከትን ፖለቲካውን ማሕበራውን ኤኮኖሚያዊ ቀውስታትን ኣብ ልዕሊ መንእሰይ ዘስዕቦ ሽግግር ሸለል ዝበሃል ኣይኮነን፣ ናይ ሎሚ ሕይወት መንሰይ ናይ ጽባሕ ኵነት ሃገር ኣማትን ሚዛንን ኢዩ፣ ስለዚህ ናይ መንሰይ ናይ ሎሚ ሕይወት ሰናይ ኣብነት ከምዘድልዮን ስነ ምግባራውን ግበረ ገባውን ሕንጸት ቀሲሙ ንኽብሪ ሰብ ኣብ ዘኽብር ሕይወት ክርከብ ምድጋፍን ምህናጽን ኣገዳሲ ኢዩ ኢለን።

ኣብ ኢጥሊያ ተመሃሮ መላእ መናብረተ ጥበባት ነታ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍቕሪ ኣብ ሓቂ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ ሓሳብ ንሓሳብ ክለዋወጡን ነዛ ዓዋዲት መልእኽቲ ብዓይንን ኣእምሮን መንሰይ ንምንባብ ዝተፈላለዩ ዓውደ መጽናዕትታት ክካይድ፣ እዚ ናይ መላእ ኢጣሊያ ናይ ካቶሊክ ኣባይቲ ትምህርትን መናብረተ ጥበብን መደባት ከምዝሓንጸጸ ገሊጸን ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣብዚ ደምደማ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ቡርኪናፋሲ ራብዓይ ብሔራዊ ዕለት ካቶሊካውያን መንሰያት “ከመይ ከምእንፋቐር ርአዩ” ብዝብል ኣርእስቲ ተሰንዩ ካብ ዕለት 6 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 9 ነሓሰ 2009 ዓ.ም.ፈ. ከምእተኻየደ ክንገር እንከሎ፣ ናይ ቡርኪናን ኒጀርን ናይ ብፁዓን ጳጳስት ጉባኤ ሊቀ መንበር ናይ ኩፐላ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሰራፊን ፍራንሷ ኦዋምባን ናይ ቡርኪናፋሶ መንግሥቲ ዝወከሉ ልኡኻት ከምእተሳተፉ ተሓቡሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.