2009-08-13 14:06:44

ኮንጎ


ኣብ ዴሞክርሲያዊት ሬፓብሊክ ኮንጎ ከባቢ ምሥራቕ ዓመጽን ሁከትን ይርአየ ክምዘሎ ክንገር እንከሎ፣ ብሕልፊ ድማ ኣብ ሰሜን ኪቩ ኣብ መንጎ ናይቲ ኣብዛ ሓገር ጠንቂ ናይቲ ተኸሲቱ ዘሎ ሁከት ኣብ መንጎ እቲ RealAudioMP3 ገዝእ ርእሱ ቢሔራዊ ጉባኤ ሓልዮ ሕዝቢ ግንባር ቢሉ ዝጽውዕ ኃይሊ ዕጡቓትን ናይ መንግሥቲ ወትሃደራት ዘካይድዎ ዘለዉ ውግእ ክኸውን እንከሎ፣ ኣብ ሰሜንን ደቡብ ኪቩን ዝተፈላለዩ ናእሽቱ ዕጡቓት ሓይሊታት እውን ውግእ ከምዘካይዱ ዓለም ሓቆፍ ዶብ ኣልቦ ማኅበር ሓኻይም ሓቢሩ። እቲ ሕዝቢ ካብቲ ዘጓንፎ ጸገም ንኽላቐቅ እውን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኮንጎ ናይ ሰላም ወፈራ ተካይድ ከምዘላ ክፍልፈጥ እንከሎ፣ እቲ ዶብ ኣልቦ ናይ ሓኻይም ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበር እቲ ኣብዛ ሓገር ተከሲቱ ዘሎ ዓመጽ ሕዝቢ ኮንጎ ንዝተፈላለዩ ሰብኣውን ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ጸገማት ይድርኾ ከምዘሎን ናይ ወሲብ ዓመጽን ዝርፋን ቅትለትን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ገበናት ይፍጸሙ ከምዘለዉ እቲ ናይ ሓኻይም ናይ ግበረ ሰናይ ማሕበር ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.