2009-08-13 14:20:15

ካህናት ንእኖና ቅድስት ድንግል ማርያም ብውሉዳዊ ፍቅሪ ከኽብርዋ ይግባእ


ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ናይ ትማሊ ሓፈሻዊ ናይ ትምህርቲ ክርስቶስ ኣስተምህሮኦም፣ ‘ማርያም አደ ካህናት’ ብዚብል ኣርእስቲ ንበዓለ ፍልሰታን ዓመተ ካህንን ዘጣመረ ዓሚቝ ኣስተንትኖ ድሕሪ ምቅራብ ብምዕልቅላቅ ህቦብላ ንፋስን ማዕበላዊ ማይን ዝሳቐ ዘሎ ሕዝቢ አስያ ብምዝካር ክጽልየሎምን ክሕገዙን ከምዝግብኦም ኣዘኻኺሮም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ’ዚ ንበዓለ ፍልሰታ እንቀራረበሉ ዘሎና ጊዜን ዓመት ካህንን ብዛዕባ ኣብ መንጎ ተልእኮ ማርያምን ክህነትን ዘሎ ጥቡቅ ርክብ እንክዛረቡ፣ ‘እዚ ዓሚቝ ምትእስሳር እዚ ኣብ ምሥጢረ ሥጋዌ ዝተመሥረተ ኢዩ፣ እግዚአብሔር ብወዱ ገቢሩ ባህርየ ትስብእት ክለብስ ምስ ደለየ ናይ ፍጥርቱ ዝኾነት ወለንታዊ እሺታ ደለየ’ እንክብሉ ድሕሪ ምሕባር፣ ‘‘እግዚአብሔር ተጻይ ነጻነትና ኣይሠርሕን። ኣብ ምሥጢረ ሥጋዌ ብሓቂ ኣደናቅን ፍሉይን ነገር ይፍጸም፣ እግዚአብሔር ግዙእ ናይ ነጻነት ኮይኑ ሓንቲ ፍጥረቱ ‘ሕራይ’ ክትብሎ ይጽበ። ቅዱስ በርናርዶስ በዓለ ክያራቫለ ኣብ ስብከቱ ነዚ ወሳኒ ነጥበ መቀይሮ ታሪኽ ዓለም ዝሓቆፈ ፍጻሜ እዚ ብድራማዊ ኣገላልጻ ኸምዚ ይብል፦ ‘ሰማይን ምድርን እዝጊ ባዕሉ ከይተረፈ ፍጥርቱ ማርያም እንታይ ቢላ ትምልሽ ትኸውን ቢሎም መልሳ ይጽበዩ’፤ ስለዚኸስ ሕራይ ምባል ናይ ማርያም እግዚአብሔር ባህርየ ትስብእት ለቢሱ ኣብ ዓለም ንክአቱ በሪ ኾይኑ። በዚ ከአ ማርያም ብጭቡጥን ዓሚቝን መንገዲ ኣብ ናይ ድሕነትና ምሥጢረ ሥጋዌ ተሳቲፋ፣ እዚ ኸአ ክርስቶስ ርእሱ ብምሃብ ኣብ መስቀል ፈጸሞ፣ ኣብዚ ኢየሱስ ንማርያም ንዘፍቅሮ ረድኡ ሓደራ ይህቦ።’’ ድሕሪ ምባል ቅዱስነቶም ነዚ ሐደራ ምሃብ ከብራህርሁ ከለው፤ ‘‘ቅዱስ ወንጌል ካብቲ ግዜ እቲ ጀሚሩ ቅዱስ ዮሓንስ ፍቁረ እግዚእ ንእኖና ማርያም ናብ ቤቱ ወሰዳ ይብል፣ እዚ ትርጉም እዚ ናብቲ መበቍላዊ ግሪኽ ተመሊስና እንክርእዮ ዓሚቝን ሃብታምን ትሕዝቶ ንረኽበሉ፣ ንእግዚእትነ ማርያም ክፍሊ ሕይወቱ ገበራ፣ ትርጉም ምንባሩ ገበራ ኣብ ህላዌኡ አሳተፋ ቢልና ክንትርጉሞ ንኽእል። ንማርያም ምሳኻ ምውሳድ ማለት ኣብ ዕለታዊ ሕይወትካ መነባብሮኻ ምዕዳምን ብምልአት አብ ህላዌኻ ምስታፋን የመልክት፣ አፍአዊ ዘይኮነ ብሓቂ ዓሚቝን ውሳጣውን ውህደትን ተሳትፎን፣ ኣብ ኩሉ መዓዝን ሓዋርያዊ ኣገልግሎትካ ከተሳትፋ ማለት እዩ፣ ብምባል ፍሉይ ናይ አደነት ርክብ ብሕልፊ ከአ መንጎ ማርያምን ካህናትን ከምዘሎ ገለጹ። ብፍላይ ንካህናት መበሊኦም እንኪገልጹ፦…. ምኽንያቱ ይብሉ ካህናት ንክርስቶስ ስለዝመስሉ ናይ ቅዱስ ልቡ ልዑል ፍቅሪ ነዚ ይገልጽ፣ ከመይ ንሳቶም እውን ከም እግዚእትነ ማርያም በዚ ፍቅሪ እዚ ተደሪኾም ንክርስቶስ ንኽምስክሩን ንዓለም ንኸውፍይዎን ኣብ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ዝተዋፈሩ እዮም። ከምኡ እውን በቲ ቅብዓ ክህነትን ብምሥጢረ ክህነት ናቱ ብምዃኖምን ደቂ እግዚአብሔርን ደቂ ማርያምን ስለዝኾኑ ነፍሲ ወከፍ ካህን ሕሩይ ውሉድ ናይዚ ልዕልትን ትሕትን ኣደ ክኸውንን ክስምዕን ኣለዎ፣ ድሕሪ ቢሎም ካልአይ ጉባኤ ቫቲካን ብዛዕባ ካህናት ‘‘ካህናት ንእግዚእትነ ማርያም ብውሉዳዊ መንፈሳውነት ኣክብሮትን ከም አደ ናይቲ ዘለዓለማዊ ካህንን ከ ንግሥቲ ሓዋርያትን ከም ጠበቃ አገልግሎቶምን ከኽብርዋን ከፍቅሩዋን ይግባእ’’ ዝበሎ ብምዝካር ካህናት ንእግዚእትነ ማርያም ከም ፍጽምቲ አብነት ናይ ህላዌኦም ክርእይዋ ሓደራ ቢሎም።

ኣብ መደምደምታ አስተምህሮኦም ነዚ ዚስዕብ ዓሚቝ ጸሎት ኣብጺሖም፣ ‘ኩሎም ካህናት ምስ ዘሎ ናይ ዓለምና ጸገማት ኩሉ፣ ምስ ክርስቶስ ብምውህሃድ ናይቲ ዘይነጽፍ ሃብቲ ጸጋታቱ ፍቅሪ ናይቲ ሕያዋይ ጓሳ ዓደልቲ ንክኾኑ ክትሕግጾም ንጸሊ፣ ማርያም አደ ካህናት ለምንልና።’



ሮብዓዊ ኣስተምህሮ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ምስ ዛዘሙ ንተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ብዝተፈላለየ ቋንቋ ድሕሪ ምምስጋን ሓሳቦምን ጸሎቶምን ምስቶም ኣብዚ ቅንያት እዚ ብምዕልቅላቅ ማይን ህቦብላ ንፋስን ማዕበላዊ ማይን ዝሳቐ ዘሎ ሕዝቢ ፍሊፕንስን ታይዋንን ደቡብ ቻይናን ከምዝኾነ ምናዳ ከአ ኣብ ጃፓን ምንቅጥቃጥ መሬት ዝተሓወሰ ምዃኑ ብዙሕ ከምዘተሓሳሰቦም ገሊጾም፣ ብመንፈስ ኣብ ጎድኒ እቶም ግዳይ ናይዚ ሓደጋ እዚ ዝኾኑ ከምዘለውን ከምዝጽልዩሎምን ብምሕባር ኩልና ብኅልፊ ምእንቲ እቶም ብሰንኪ እዚ ሓደጋ እዚ ሕይወቶም ዝሰአኑ ክንጽሊ ተላብዮም፣ ማኅበረ ሰብ ዓለም ከአ ክረድእዎምን ክተሓባበርዎምን ሐደራ ብምባል ብሓዋርያዊ ቡራኬ ናይ ዕለቱ አስተምህሮ ዛዘሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.