Home Archivio
2009-08-13 14:08:05
ኣል ፋታሕ
ንሓደ ሰሙን ኣብ ቤተ ልሔም ክካይድ ዝቐነየ ናይቲ ናይ ፍልስጥኤም ታሪኻዊ ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ጉባኤ ከምእተዛዘመ ተሓቢሩ። እዚ ናይዚ ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ኣባላት ማእከላይ መርሕነት ክሕድስ
ቀንዲ ዕላማ ገይሩ ዝተኻየደ ኣኼባ ኣብ ጎድኒ ናይ ፍልስጥኤም ብሔራዊ መንግሥቲ ርእሰ ብሔር እቡ ማዘን ኣብ ጋዛ ናይ ጸጥታን ደህንነት ኃላፊ ሞሃመድ ድህላንን ጂብሪ ራጁብን ናይ ፍልስጥኤም ናይ ሰላም ዘተ ልኡኻት መራሒ ሳኤብ ኤራካትን እቶም ብዝተፈላለየ ገበን ንዝተፈላለዩ ሓሙሽተ ዕድመ ልክዕ ዝተፈርዱን ኣብ እስራኤል ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ማርዋን ባርጉቲ ከምዝሓረየ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
All the contents on this site are copyrighted ©.