2009-08-11 13:44:25

ንናይ ደቀንስትዮ መሰልን ፍቓድ ዝከላኸል ማኅበር ኣገዳስነት


ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ዋና ጻሓፊ ባን ኪ ሙን ንናይ ደቀንስትዮ መሰልን ፍቓድን ዝሓሊ ፍሉይ ማኅበር ምቛም ኣዚዩ ኣገዳሲ ኢዩ ከምዝበሉ ተሓቢሩ። እዚ ማኅበር እዚ ንክቐውም ዝድርኽ ዓቢ ምኽንያት፣ RealAudioMP3 እቲ ኣብ ዓለምና እናትስፋሕፍሔ ዘሎ ኣብ ልዕሊ ደቂ ንስትዮ ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽ ምዃኑ ባን ኪ ሙን ኣብ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ናይ ጸጥታን ደኅንነትን ቤት ምኽሪ ኣኼባ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ሓቢሮም፣ ብሕልፊ ድማ ኣብ ጫድን ዴሞክራሲያዊት ሬፓብሊክ ኮንጎን ሱዳንን ኅልው ኵነታት ደቀ ንስትዮ ጠቒሶም፣ ኣብዘን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝፍጸም ናይ ወሲብ ኮነ ካልእ ዝተፈላለየ ዓመጽ ሓቢሮም፣ ምእንቲ’ዚ ናይ ጸጥታን ደኅንነት ቤት ምኽሪ ነቶም ዝተዘርዘሩ ምኽንያታት ኣብ ግምት ብምእታው ንናይ ደቅንስትዮ መሰልን ፍቓድን ዝሓሊ ፍሉይ ብሕቡራት መንግሥታት ዓለም ዝመሓደር ማኅበር ንክቐውም ዘቕረብዎ ሓሳብ እወታዊ መልሲ ኽህብውሉ ሓደራ ከምዝበሉ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምያ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ሓቢሩ፣ መንግሥቲ ፈረንሳ ድሮ በቶም ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ብዝርከቡ ወኪሉ ገይሩ ንሓሳብ ባን ኪ ሙን ምሉእ ምብሉእ ከምዝደግፎ ኣፍሊጡ ከምዘሎ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ኣመልኪቱ








All the contents on this site are copyrighted ©.