2009-08-11 15:39:59

ንሕማቅ ብጽቡቅ ክተሸንፍዎ ጸዓሩ


ትማሊ ዕለት 10 ነሓሰ 2009 ዓምፈ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ሎረንጾ ከቢሩ ውዒሉ። ቅዱስ ሎረንዞ ዲያቆንን ሰማዕትን ናይ 3ይ ክፍለ ዘመን እዩ። ብ258 ዓም ብንጉሥ ሮማኖ ቫለርያኖ ኣብ ልዕሊ ክርስትና ብዝተላዕለ ስደት ሰማዕት ኮይኑ።

ኣብ 3ይ ክፍለ ዘመን ገዛኢ ናይ ሮማዊ ግዝአት ናይቲ ግዜቲ ዝነበረ ግዝአቱ ንከሐይል ዕንቅፋት ክርስትያን ስለዝሰግኤ፣ ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ብርቱዕ ስደት አልዒሉ ነበረ። ብኅልፊ አብ ከባቢ ፐርሽያ አምልኾ ጣዖት ንምስፍሕፋሕ አገዲዱ ብዙሓት ናይ ሓሶት አማልኽቲ ከምዘልኹ ይገብር ነበረ። እዚ ቫለርዮ ዝተባህለ ገዛኤ ናይ ኢየሱስ ሓዋያርት ካብ ካልኦት ዝተፈልዩ እዮም፣ ኣዝዮም ሓደገኛታት እዮም፣ ንልዑል ናይ ሮማዊ ግዝአትን ሥልጣንን ዝጻረር ትምህርቲ ስለዝምህሩ ክጠፍኡ አለዎም ብዝብል እምነት ካብ ዝቀደሙ ገዛእቲ ብዝበርተዔ ካብ ንእሽቶ ክሳብ ዓቢ መራሕትን ተራ ምእመናንን ከጽንት ተበጊሱ ብዙሓት ከአ ቀቲሉ። አብ ትሕቲ ግዝአት ናይዚ ጨካን ገዛኢ ክልተ አርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ማለት እስጢፋኖስ ቀዳማይን ሲስቶ ካልአይን ተሰዪፎም። ቅዱስ ሎረንጾ ዲያቆን ስለዝነበረ ንብረት ቤተ ክርስትያን የመሓድርን እቲ ቀንዲ አገልግሎት ዲቍና ማለት ንድኻታትን ንጽጉማትን ከአ ይረድእን ነበረ። እዚ አገልግሎት እዚ ዘይተወሓጠሉ ከንቲባ ናይቲ ዝነበሮ ክሊ ምምሕዳር ንኹሉ ጥሪቱን ንብረቱን መዝገቡን ከረክብ ይእዝዞ፣ ቅዱስ ለረንዞ ከአ ነቶም ዝረድኦም ዝነበረ ስንኩላንን ድኻታትን ዕውራትን ሕሙማትን ሒዙ ብምምጻእ እዚኦም እዮም መዝገበይ ሃብተይ ርስተይ ይብሎ፣ ዝነበረኒ ኩሉ ከአ ንአኦም ሂበዮ እየ ይብሎ፣ በዚ መልሲ እዚ ተቈጢዑ ድማ ብሕይወቱ ከሎ አብ ሓዊ ደርበዮ ብሰማዕትነት ከአ ሞተ።

ቅዱስ ኣቦና ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ናይ ሥርዓተ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ኣብ ዘመሓለልፍዎ መልእኽቲ፣‘ሰማዕታት መሰኻኽር ናይቲ ክሳብ መወዳእታ ዘፍቅር ፍቅሪ እግዚአብሔር እዮም። ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ኣብ ዝጸሓፎ ቀዳማይ መልእኽቱ ምዕራፍ 13 ገሊጽዎ ዘሎ ንሕማቅ ብጽቡቅ ዘሸነፉን ብሓቂ መማህራን ናይ ፍቅር እዮም፤ ካብዚኦም ቅዱሳን እዚኦም ብኅልፊ ንሕና ካህናት ብዙሕ ክንመሃር ንኽእል፣ ብዘይ ምንም ፍርሓት ብጅግንነትን ቆራጽነትን ፍቅሪ ወንጌል ተደፊእካ ሕይወትካ ንድሕነት ነፍሳት ምውፋይ ክንመሃር ንኽእል፣ ከመይ ፍቅሪ ንሞት ተሸንፋ እያ’’ ብምባል አረጋገጹ።

ናይ ዓለም ነገር ምሉእ ስለዘይብሉ ገለ ከአ ከምታ ኢዱ ስለዝፍደ ነዚ ኩሉ ግፍዒ ዝፈጸመ ቫለርዮ ዝተባህለ ገዛኢ ድሕሪ ሰማዕትነት ቅዱስ ሎረንዞ ብፐርሽያውያን ተማሪኹ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ማህሚኑ ክሳብ ዝመውት ባህሊ ፐርሽያ ከምዘዘንትዎ ንጉሥ ፐርሽያ ኣብ ፈረሱ ክድይብ እንከሎ ከም ርካብ/ድኳ ይጥቀመሉ ነበረ።

ቅዱስ ኣቦና ብዕለት 10 ነሓሰ 2005 ዓምፈ ኣብ ናይ ሮቡዕ ጉባኤ ኣስተምህሮ ‘ኣብነት ቅዱስ ሎረንዞ ንከተል፣ ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ንጸዋዕታ ጐይታ ብተአማንነት ሕራይ ቢልና መልስሊ ምሃብ ንምኽአል ወትሩ ስንድዋት ንኹን’’ ቢሎም ከምዝነበሩ ዚዝከር እዩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.