2009-08-11 13:40:24

ብዝሒ ዘይ-ሕጋውያን ስደተይናታት ኣብ ኢጣሊያ


ብዝሒ ዘይ-ሕጋውያን ስደተይናታት ኣብ ኢጣሊያ ኣስታት ሓደ ሚሊዮን ከምዝግመት ካሪታስ እተሰምየ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ናይ ተራድኦ ማኅበር ኣብ ኢጣሊያ ዝዘርገሖ መገልጺ የመልክት። RealAudioMP3 እዚ ናይ ካሪታስ ኣኃዛዊ መግለጺ’ዚ እቲ ኦክሰ እተሰምየ ናይ ኤውሮጳ ናይ ምትኅብባርን ኤኮኖሚያዊ ምዕባለን ዝሓሊ ቤት ጽሕፈት ብዝሒ ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ኣብ ኢጣሊያ ኣመልኪቱ፣ ብቆጻጽራ ፈረንጂ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ኣደገፊ ኣብ ዝዘርገሖ ናይ መጽናዕቲ ሰነድ ካብ 500 ክሳብ 700 ሺሕ ይግመቱ እንክብል ንዝሃቦ ጸብጻብ ዝእርም ምዃኑ ኢዩ ዝንገር።

ኣብ ኢጣሊያ ናይ ካሪታስ ናይ ስደተይናታት ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ኣመሓዳሪ ኦሊቪየሮ ፎርቲ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ “ሓደ ሚሊዮን ይበጽሑ ኢዮም ማለት ብትኽክል ሓደ ሚሊዮን ኢዮም ማለት ኣይኮነን፣ ስለዚህ ግምት ምዃኑ ኣረዲኦም፣ እዞም ገና መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ዝብል መለለዩ ዝወሃቦም፣ ኣብ ዝተፈላልያ ፋብሪካታትን ትካላት ሕርሻን ስድራ ቤትን ተዋፊሮም ይሰርሑ ምኅላዎምን ገሊጾም፣ ስለዚህ ኣብ ናይ ሃገር ምጣኔ ሃብቲ ዓቢ ተራ ዘለዎም ኢዮም። ስደተይናታት በቢ ዓመቱ ናብ ኢጣሊያ ንኽኣትዉ ስለ ዘይግበር ዘስዕቦ ጸዓት ዘይሕጋውን ስደተይናታት ምኻኑን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘሎ ኤኮኖሚያዊ ፖሊቲካውን ማኅበራውን ሽግር እውን ብዙሓት ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ናብ ኢጣሊያን ካልኦት ሃገራት ንኽኣትዉ ዝድርኽ ምዃኑን ኣረዲኦም፣ እዚ ድማ ዘስዕቦ ዘሎ ሽግር ግሁድ ኢዩ። ኣብ ኢጣሊያ ናይ ስደተይና መመሓደሪ ሕጊ ዝተሓላለኸ ስለ ዝኾነ ድማ ስደተይናታት ንኽጽልኡን ንዘይምጻሮምን ንዘይምቕባሎምን ዓይነት ማኅበራዊ ኣሉታዊ ጠባይ ዘተባብዕ ኢዩ” ኢሎም “መብዛሕቲኦም እቶም ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ሥራሕ ዘለዎም ከምዝኾኑን፣ ስለዚ ኣብ ናይ ገዛ ዕዮ ተዋፊሮም ንዝርከቡ ጥራሕ ሕጋውያን ስደተይና ንኽኾኑ ምውሳን ዘይኮነስ፣ ጉዳይ እቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ኤኮኖሚ መዳያት ተዋፊሮም ዘገልግሉ ንዘለዉ ዘይሕጋውያን ስደተይናታት እውን ክሕሰበሉ ይግባእ” ኢሎም።

“ኣብ ኢጣሊያ ዝነብሩ ስደተይናታት ምስ ኅብረሰብ ኢጣሊያ ተወሃሂዶም ንኽነብሩ ብመመሓደሪ ሕጊ ምፍታን ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ኣብ መንጎ ዝእንገድን ዘእንግድን ምርድዳእን ምልላይን ምቅብባልን ምክብባርን ንኽህሉ ዘተባብዕ ማኅበራውን ሰብኣውን ፖለቲካውን ባይታ ምፍጣር ኣገዳሲ ኢዩ” እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.