2009-08-11 13:38:53

መርከብ ቡካኒር ናጻ ተለቒቓ


እታ ካብ ዝሓለፈ ዕለት 11 ሚያዝያ 2009 ዓ.ም.ፈ. ብሸፋቱ ባሕሪ ሶማል ምስ 16 ባሕረይናታታ ተጨውያ ዝነበረት መርከብ ቡካኒር ናጻ ከምእተለቀት ተሓቢሩ። 10 ዜጋታት ኢጣሊያ፣ 5 ሩመናውያንን 1 ወዲ ክሮአዚያ ዝርከብዋ መርከብ ቡካኒር RealAudioMP3 ናጻ ምስ ተፈነወት ብናይ ኢጣሊያ ናይ ኃይሊ ባሕሪ ሳን ጆርጆ ወተሃድራዊ መርከብ ተሰንያ ጂቡቲ ከምዝኣተወት ተሓቢሩ።

ናይታ ሰሓቢት መራኽብ ቡካኒር መርከብ ወናኒ ኩባንያ ሚኮፐሪ ኣመሓዳሪ ሲልቪዮ ባርቶሎቲ ምስ ረድዮ ቫቲካን ኣብ ዝገብረው ቃለ ምልልስ፣ “ናይታ መርከብ ናጻ ምልቓቕ ዓቢ ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሔን፣ ዳርጋ ናይ ኩላትና ናጻ ምልቓቕ ኢዩ ዘስምዕ፣ ናይ ሰባት ሕይወት ዝምልከት ጉዳይ ብምንባሩ ድማ እቶም ዝተጨውዩ ባሕረይናታትን መርከቦምን ናጻ ንኽልቀቑ ብዛዕባ ዝግበር ዝነበረ ጻዕሪ ብዙሕ ሓበሬታ ቅድም ቢልካ ምሃብ ኣድላዪ ኣይነበረን” ቢሎም “ምእንቲ ናጻ ምልቓቕ እታ መርከብን ባሕረይናታታን ዝተኸፍለ ነገር የሎን ብዛዕባ ሃለዋቶም ንከታተልን ዘድሊ መድኃኒት እውን ንኽበጽሖም ይግበር ኔሩ ኢዩ፣ ኣብ መወዳእታ ናጻ ንኽትልቀቕ ዝተገብረ ዲምፕሎማሲያዊ ጻዕሪ ድም ተዓዊቱ” ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.