2009-08-08 14:59:40

ጸረ ናይ ሞት ባህሊ


ኣብ ኢጣሊያ እቲ ብ RU486 ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ጽንሲ መስደዲ መድኃኒት ፍቑድ ኮይኑ ኣብ ቤት ሕክምናታት ንክዝርጋሕ ዝግበር ዘሎ ናይ ሞት ባህሊ ዘስፋሕፍሕ ውሳኔ፣ ኣብ ኢጣሊያ 70 ካብ ሚእቲ ተኣዝዞ ሕሊና RealAudioMP3 ዘኽብርን ብምኻኑ እዚ ብገባብ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ተሰንዩ ዝግበር ምስፍሕፋሕ ናይ ሞት ባህሊ፣ ቤተ ክርስትያን ብትረት ከምእትቃወሞ፣ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ቶሪኖ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ሰቨሪኖ ፖለቶ ከምዝገለጹ ላ ሬፑብሊካ እተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ዕለታዊ ጋዜጣ ሓቢሩ።

ብፁዕ ካርዲናል ፖለቶ ምስ እታ ናይ ኢጣሊያ ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ብዓይኒ መሪሕ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን፣ ምጥቃም መስደዲ ጽንሲ ገበን ምዃኑ የስተምህር፣ ስለዚህ እቲ ሓድሽ መድኅኒት መንጸሊ ጽንሲ፣ እቲ ገበን ምንጻል ጽንሲ ብቐሊሉ ክፍጸም ከምዝከኣልን፣ ጽንሲ ንምስዳድ ዝድርኽ ከምዝኾነን ኣመልኪቶም፣ ኣዚ ካብ ዝቕጽል ወርሒ መስከረም ኣብ ቤት ሕክምናታት ክዝርጋሕ ኢዩ ዝበሃል ዘሎ መድሓኒት መንጸሊ ጽንሲ፣ ተቐባልነት ዘይብሉ ጸረ ሕይወት ከምዝኾነ ኣረዲኦም፣ ኣብ ልዕሊ ሕይወት ዝፍጸም ዓቢ ገበን ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ብዙሓት ሃገራት ፍቑድ ኢዩ ዝብል ውሳኔ ንምንጻል ጽንሲ ምኽንያታዊ ከምዘይገብሮን፣ እቲ መንጸሊ ጽንሲ ጸረ ሕይወትን ኣብ ልዕሊ ሕይወት ዝፈጽም ገበን ምዃኑ እውን ኣይሓኮን ኢዩ፣ ቤተ ክርስትያን ኣብ ዝኾነ ይዅን ሃገር ናይ ሞት ባህሊ ዘነቓቕሑ ውሳኔታትን ተግባራትን ካብ ምቕቅም ድሕር ከምዘይበለትን ከምዘይትብልን ኣብቲ ምስ ላ ሬፑብሊካ እተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ዝገበረዎ ቃለ ምልልስ ከምዝሓበሩ ተፈሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.