2009-08-08 16:16:15

ዑደት ሂላሪ ክሊንተን አብ አፍሪቃ .


አብ ሀገራት አፍሪቃ ዲፕሎማስያዊ ዑደት ዘካይዳ ዘለዋ ናይ ሕቡራት መንግስታት አመሪካ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሂላሪ ክሊንተን አብ ኬንያ አብ ናይሮቢ ምስ ናይታ ሀገር ሰሥልጣን መንግስቲ ከም ዝተራኸባ ክምልከት ከሎ ፡ አብኡ ምስ መሰጋጋሪ መንግስቲ ሶማል ፕርሲደንት ሼክ ሸሪፍ አሕመድ ተራኺበን ህሉው ኩነታት ሶማል ብዝምልከት ሐሳብ ንሐሳብ ከም ዝተለዋወጣ ተነጊሩ።

ሕቡራት መንግስታት አመሪካ ጉዳይ ሶማል ብቀረባ ይከተተሎ ከም ዘሎን ኩለንትናዊ ሽግር ሶማል ንምግትእን መሠረታዊ ፍታህ ንምርካብን ምስ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ከም ትተሐባበር ሂላሪ ክሊንተን መግለጺ ከም ዝሀባ ካብቲ ቦታ ዝመጸ ዜና አመልኪቱ አሎ።

መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ምስቲ አልሻባብ ዝተባህለ አኽራሪ ምስልምና ምኻኑ ዝነገርሉ ጉጅለ ይቃለስ ከም ዘሎን ናይ መንግስታት ኡጋንዳን ብሩንዲን አኽበርቲ ሰላም ሕብረት አፍሪቃ አብ መቃዲሾ ከም ዝርከቡን ይዝከር።

ሐደ ባህሊን ቋንቋን ዘለዎ ህዝቢ ሶማል ካብ 1991 ጀሚሩ ሰላም ስኢኑ አደዳ ጥሜትን ስደትን ኮይኑ ከም ዝርከብ ክምልከት ከሎ ነዚ ሕጂ ብሀገራት ሐቆፍ ማኅበረሰብ ተቀባልነት ዝረኸበ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ዝጻብኡ ዘለዉ ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ሐይልታት ንምግታእ መንግስቲ አመሪካ መደብ ከም ዘለዋ ሂላሪ ክሊንተን መግለጺ ሂበን ከም ዘለዋ ተነጊሩ አሎ።

አብ ሽዱሽተ ሃገራት አፍሪቃ ዲፕሎማስያዊ ዑደት ከም ዘካይዳ ዝተነግረለን ሂላሪ ክሊንተን እቲ ብፕረሲደንት ባራክ ኦባማ ዝምራሕ መንግስቲ አመሪካ አብ ሀገራት አፍሪቃ ዝኽተሎ ፖሊሲ ከም ዘነጽራ ይምልከት።

ዝሐለፈ ወርሒ ሐምለ ዕለት ዓሰርተ ፕረሲደንት ባራክ ኦባማ አብ ንምዕራባዊ አፍሪቃ ንጋና ከይዶም አብ ዝነብርሉ እዋን አብ ቅድሚ ናይ ጋና ባይቶ ማለት ፓርላማ ቀሪቦም ሀገራት አፍሪቃ ሕጋዊ ተቅዋማት ድአ እምበር ኃያላት መራሕቲ አይኰነን ዘድልየን ኢሎም ከም ዝነበሩ ይዝከር።



መንግስቲ ፕረሲደንት ባራክ ኦባማ አብ አፍሪቃ ዲሞክራስያዊ ጽቡቅ ምሕደራ ምስ ዘይብለን ሀገራትን ህዝቦም ዓፊኖምን ብኀይሊ ረጊጾምን ምስ ዝኸዱ መራሕትን ርክብ ክገብር ከም ዘይደሊ ከም ዘመልከቱ ዝዝከር ክኸውን ከሎ ናይ ዲፖሎማሲ ጉዳይ ኮይኑ ግን ምስ ዓመጽቲ መንግስታት አፍሪቃ ፈጺሙ ርክብ አይክህሉን ኢዩ ማለት ከም ዘይኮነ ይምልከት። ዝኾነ ኾይኑ ሂላሪ ክሊንተን ካብ ኬንያ ንረፓብሊክ ደቡብ አፍሪቃ ከም ዝተሳገራን ምስ ሰበ ስልጣን ናይታ ሀገር ከም ዝተራኸባን ካብ ፕሪቶርያ ዝመጸ ዜና ገሊጹ።

ሂላሪ ክሊንተን አብ ዚምባብወ ፖሊቲኣውን ኤኮኖምያውን ተሐድሶ ክግበር ሓሳብ ከም ዘቅረባ እዚ ካብ ፕሪቶርያ ዝመጸ ዜና አገንዚቡ።

 








All the contents on this site are copyrighted ©.