2009-08-08 16:12:38

አብ አርጀንቲና ዕለተ ምስ ጽጉማት ተሐባበር.


ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ መስከረም ዕለት ዓሰርተ ሽዱሽተ አብ ላቲን አመሪካ አብ ሀገረ አርጀንቲና “Màs por Menos “ ምስ ጽጉማት ተሐባበር ተባሂሉ ዝጽዋዕ ብሀገር ደረጃ ገንዘብ ክዋጻእ መደብ ከም ዘሎ ክፍለጥ ከሎ፡ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ ነዚ ጉዳይ”ዚ አመልኪቶም ነቶም አብ አርጀንቲና አብ ቡኤኖስ አረስ ዝርከቡ አብታ ሀገር ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ውኪል ንብፁዕ አቡነ አድሪያኖ በርናርዲኒ ሐደ መልእክቲ ከም ዝልአኹሎም አብ ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ አመልኪቱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ነቶም ሓዋርያዊ ወኪል ዝልአኽዎ መልእክቲ ከም ዘመልክቶ እዚ አብ አርጀንቲና ንመበል አርብዓ ግዜ ዝካየድ ዘሎ “ ማስ ፖር መኖስ “ ማለት ምስ ጽጉማት ተሐባበር ዝትሕዝትኡ ሰናይ ተግባር ድኽነትን ማኅበራዊ ዘይማዕርነትን ንምጕዳል፡ መሠረተ ዓላማ ዘለዎ ዝምስገንን ዝንአድን ኢዩ።

እዚ አገባብ”ዚ ሐደ ፍትሐዊ ሕብረተሰብ ንክህሉ ዝሕግዝ ሰብአዊን እግዚአብሔርን ሰብን ዝፈትዎ ተግባር ከም ዝኾነ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ነቶም አብ ቡኤኖስ አይረስ ዝርከቡ ሓዋርያዊ ወኪል ዝልአኽዎ መልእክቲ ከም ዘገንዘበ እዚ አብ ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ ሐበሬታ ሂቡ አሎ።

ነዚ አብ ትሕቲ ጽላል እግዚእትነ ማርያም ዘ”ሉጃን ብሀገር ደረጃ ዝካየድ ምውጻእ ገንዘብ ነቲ አብ ሕማቅ ኩነታት ዝርከብ ማኅበረሰብ ንምርዳእ ዓቢ አስተዋጽኦ ከም ዝህልዎ ዘመልከተ መልእክቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ነቶም እዚ ጉዳይ”ዚ ንምስልሳል ዝሰርሑ ሰባትን አባላት ማኅበራትን ክአ እ/ር ይባርኮም ከም ዝብል ተገሊጹ።

ትማሊ አብቲ አብ ቡኤኖስ አይረስ ገዳመ ሊንየርስ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ጋኤታኖ ቲየነ ተኸቢሩ ከም ዝውዓለ ክዝከር ከሎ ፡ በሽሐት ዝቁጸር ህዝቢ አብዚ አብ ዓመት ሐደ ግዜ ዝውዕል አውደ ዓመት ተረኺቡ ፍትሒ ክነግስ ውዲ ሰብ ንዕለታዊ ሕይወቱ ክመርሕ ስራሕ ክረክብ ከም ዝተማህለለ ተነጊሩ።

አብቲ ብሃገር ደረጃ ተባዒሉ ዝውዕል አውደ ዓመት ዝተገብረ መስዋእተ ቅድሴ ብብዙሐት ጳጳሳትን ካህናትን ተሰንዮም ናይ ቡኤኖስ አይረስ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ኾርከ በርጎልዮ ከም ዝመርሕዎ ተፈሊጡ አሎ።

አብዚ በዓል”ዚ ዝተሳተፉ በሽሐት ዝቁጸሩ ምእመናን መባእ አብ ክንዲ ሽምዓን ፊዮሪን ንድኻታት ዝውዕል መግብን ፈውስን ክልግሱ ከም ዝተሐቱ ክአ ሐቢሩ ዝመጸ ዜና አመልኪቱ።

እቲ ተኸቢሩ ዝውዓለ ቅዱስ ጋኤታኖ ቲየነ ብ1500 ዓመተ ምህረት ዝነበረ ምሉእ ሕይወቱ አብ ምእላይን ምኽንኻንን ድኻታትን ሕሙማትን ዘሕለፎ ቅዱስ ኢዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዝሐለፈ ሰንበት ምስ ምእመናን ሐቢሮም መልአከ እግዚአብሔር ጸሎት አብ ዝደገምሉ ነብሳት ብናይ ፍቅሪ ቃላት ዘይኮነ ብግብራዊ ፍቅሪ ኢየን ዝነጽሐ ዝበሎ ዘኪሮም ከም ዝነበሩ ይምልከት ።

አርጀንቲና ብዙሕ ግዜ ብኤኮኖምያዊ ቅልውላው ዝተጠቅዔት ዝበዝሕ ህዝባ ካብ ኢዱ ናብ አፉ ዝነብረላ ማኅበራዊ ጸገማት ዘለዋ ፡ ውሑዳት አዝዮም ሃብታማት ዝበዝሑ አዝዮም ድኻታት ዝነብሩላ ሀገር ከም ዝኾነት ይፍለጥ።

ህዝቢ አርጀንቲና ፍትሕን ፡ ማኅበራዊ ማዕርነትን ፡ ምትሕብባርን ፡ ሰብአዊ ሐልዮትን ፡ ክህሉ ይሐትት ከም ዘሎ ካብ ቡኤኖስ አይረስ ዝመጸ ዜና አመልኪቱ አሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.