2009-08-06 16:53:21

ዝኽሪ ጽምብል ባሲሊካ ቅድስት ድንግል ማርያም ዓቢይ ብክብ ዝበለ ድምቐት ተባዒሉ


ትማሊ ቤተ ክርስትያን ሮማ ጽምብል ባሲሊካ ቅድስት ድንግል ማርያም ዓቢይ ብክብ ዝበለ ድምቐት አብዒላ፣ ብአቆጻጽራ ሰዓት ሮማ ልክዕ ሰዓት 10 ብሊቀ ካህናት ብፁዕ ካርዲናል በርናርድ ሎው ዝተሠርዔ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዓሪጉ፣ ኣማስያኡ ሰዓት ሓሙሽተ ጸሎተ ሠርክ ድሕሪ ምዕራግ እንደገና ምሸት ሰዓት 6 እውን ካልአይ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዓሪጉ።
ኣብ’ዚ ጽንብል’ዚ እቲ ልሙድ ብተአምራት በረድ / ነቨ ዚፍለጥ ብ5 ነሕሰ 358 ኣብ ጊዜ ሓጋይ ዝዘነመ ተአምራት ናይ በረድ ንምዝኽኻር ካብ ናሕሲ ቅርንጫፋት ጻዕዳ ዕምባባ ጽጌረዳ በቲኖም ንኩሉ ምድሪ ቤት ሸለምዎ፣ እዚ ኣብ ርእሲ ምዝኽኻር ናይቲ ተአምራት ንጽሕት እምንጹሓን ናይ ዝኾነት እግዚእትነ ማርያም ንጽሕናን ጽባቄን ኣብ ከርሳ ናይ ዝተጾረ ኅብስቲ ሕይወት ካብ ሰማይ ዝወረደ መና ኣምሳልነት እውን ሒዙ ይርከብ።
እዚ ብተአምራት በረድ/ነቨ ዚፍለጥ ብዓል ኣብ ኤስኲሊኖ ዝተባህለ ኩርባ እዚ ሎሚ ዓቢይ ሕንፃ ናይ ባዚሊካ ሳንታ ማርያ ማጆረ ተሓኒፁሉ ዘሎ ቦታ እግዚእትነ ማርያም ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊበርዮ ከምዝተራእየትን ኣብቲ በረድ ዝወድቀሉ ቦታ ዓቢይ ቤተ ክርስትያን ክሓንፁ ከምዝአዘዘቶምን ይንገር።
ኣባ ሞንፎርታኖ ኮራዶ ማጆኒ ነዚ ብዝምልከት ንረድዮ ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ከምዚ ይብሉ፣ …. ‘ብሓሙሻይ ዘመን ዝተደርሰ ስንክሳር ሰማዕታት ናይ ጂሮም መዝጊብዎ ከምዘሎ ዕለት 5 ነሓሰ ንግደት ናይ ዝኽሪ ጽምብል ባሲሊካ ቅድስት ድንግል ማርያም ዓቢይ ወይ ሳንታ ማርያ ማጆረ ከምዝኾነን እዚ ኸአ ከም መዘከርታ ናይቲ ብ431 ዓምፈ ዝተፈጸመ ጉብኤ ኤፌውሶን ክህነጽ ዝተደልየሉ ምኽንያት ኣብቲ ጉባኤ ቤተ ክርስትያን ንእኖና ቅድስት ድንግል ማርያም አደ ፍጹም አምላኽን ፍጹም ሰብን ስለዝኾነ እኖ ኣምላኽ ወይ ብግሪኽ ተዮቶኮስ ዝብል ዓቢይን ንኩሉ ጊዜ ዝኸውን ዝኸበረ መጸውዒ ስም ዝሃበትሉ ስለዝኾነ እዩ። እዚ በዓል እዚ ክሳብ መበል 14 ክፍለ ዘመን ኣብ ሮማ ጥራይ ተሓጺሩ ነበረ። ካባኡ ግን ቀስ ብቀስ ናብ ምዕራብ ገጹ ክዝርጋህ ጀመረ።
ኣብ መጨረሽታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፕዮስ 4ይ ኣብ መራሕ ዕለት ቤተ ክርስትያን ንዕለት 5 ነሓሰ በዓል ብፅንዕት ድንግል ማርያም ናይ በረድ/ነቨ ክብሉ አስፈርዎ።
ኣብ’ዚ ጊዜ እዚ ቀንዲ አተኩሮ አብ እምነት ብምግባር ነቲ ዛንታ ተአምራት ከም መሰጋገሪ ናብ እምነት ንጥቅመሉ፣ እቲ ዓቢ ተአምር ምሥጢረ ሥጋዌን ማኅደር ናይ ክርስቶስ ዝኾነት እኖና እግዚእትነ ማርያምን እዩ፣ እቲ ቀንዲ ትርጉም ናይዚ በዓል እዚኸስ እቲ ወፈያ ናይታ ሓዳስ መቅደስ ዝኾነት እግዚእትነማርያም እዩ፣ ማኅደሩ ኮይና፣ ቤተ መቅደሱ ኮይና፣ በዚ ኸስ እዚ በዓል እዚ ንሕና ኩልና ከም እኖና እግዚእትነ ማርያም ማኅደር ክርስቶስ ክንከውን አብነታ ክንክተል ምስአን ምስ ወዳን ክንወሃሃድ ኣሎና’’ እንኪብሉ ትርጉምን መልእኽትን ናይዚ በዓል ገሊጾም።
 







All the contents on this site are copyrighted ©.