2009-08-06 16:30:51

ዝኽሪ ዕረፍቲ መበል ሚእትን ሓምሳን ዓመት ቅ.ዮሓንስ ማርያ ቪያኔ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ሮብዕ ኣብቲ ናይ ሓጋይ እዋን መንበሪ ሓዋርያዊ ኣዳራሽ ካስተልጋንዶልፎ ዘቕረብዎ ሓፈሻዊ ሰሙናዊ ኣስተምህሮ ት.ክርስቶስ ካህናት ነቲ ሓቂ ብምድምሳስ ኩሉ ንጽጽራዊ ወይ ድማ ተዛማዲ እዩ እምበር ሓደ ጭቡጥ ሓቂ የለን ዝብል ዕሽሽታን ግዲ ዘይሙማትን ዝዓብለሎ ባህሊ “ረላቲቪዝም” ዝፈጥሮም ፈተናታት ብግቡእ ገጢሞም ከሰንፉን መልሲ ምሃብ ክኽእሉን ብፍቕሪ ክርስቶስ ክማረኹን ክምሰጡን ይግባእ ክብሉ ኣረጋገጹ። RealAudioMP3
ትማሊ ሮቡዕ ቅዱስ ኣቦና ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ኣብ ቆሞስ ኣርስ ሓላዊ ቅዱስ ቆሞሳትን ካህናትን ቅ.ዮሓንስ ማርያ ቪያኔ ዝተመስረተን ዘተኵረን ከምዝነበረ እንክምልከት ቅዱስነቶም ካህናት ብፍቕሪ ክርስቶስ ክማረኹ ንኩሉ ከኣ ተስፋን ምሕረትን ሰላምን ምዃን ክኽእሉ እግዚኣብሔር ክሕግዞም ጸሎት ኣዕረጉ።







All the contents on this site are copyrighted ©.