2009-08-04 15:40:58

ስደት ክርስትያን ፓኪስታን


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልታት ኣብ ፓኪስታን ኣብ ከተማ ጎጂራ ኣብ ልዕሊ ሾሞንተ ማኅበረ ሰብ ክርስትያን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣዚዩ ከምዘኅዘኖምን ክግታእ ድማ ከምዘለዎን RealAudioMP3 ነቶም ግዳያት ዘለዎም መንፈሳዊ ቅርበት ብምግላጽ ብዋና ጸሓፊ ቅ.መንበር ብፅዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ ኣቢሎም ናብ ኣቡን ፋይስላባድ ብፁዕ ኣቡነ ጆሰፍ ኩትስ ናይ ተለግራም መልእኽቲ ከምዝለኣኹ ተመልኪቱ።

ቅዱስነቶም ኣብዛ ትማሊ ዘመሓላለፍዋ ናይ ተለግራም መልእኽቲ ሰብ ኩሉ ነዚ ናይ ብዙኅ ስቓይን ኀዘንን ምኽንያት ዝኾነ ተግባር ዓመጽ ገዲፉ መንገዲ ሰላም ክኽተል ኣማሕጺኖም ብትኽክል ጊዜ ከኣ ማኅበረ ክርስትያን ፓኪስታን ትርጕም ሰብኣውያን ጸጋታትን እምነታትን ዝርደኦ ነንሕድሕዱ ተኸባቢሩ ብሰላም ዝነብር ኅብረተ ሰብ ካብ ምህናጽ ዕሽሽ ከይብል ኣተባበዑ።








All the contents on this site are copyrighted ©.