2009-08-04 14:20:32

ማኅበር ካቶሊካውያን ሓኻይም


ናይ ካቶሊካውያን ሓኻይም ማኅበር ሊቀ መንበር ቪቸንዞ ሳራቸኒ ኣብ ኢጣሊያ እቲ ብ RU486 ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ጽንሲ መስደዲ መድኃኒት ኣብ ቤት ሕክምናታት ብምትእትታዉ ምኽንያት እቲ ማኅበር RealAudioMP3 ነዚ ውሳኔ ብምቅዋም መግለጺ ከምዘውጽኤ ሓቢሮም፣ ኣብ ኢጣሊያ 70 ካብ ሚእቲ ተኣዝዞ ሕሊና ዝመርጹን ዘኽብሩን ብገባብ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ተሰንዩ ናይ ሞት ባህሊ ፍቑድ ንኽኸውን ዝግበር ጻዕሪ ኣትሪሩ ከምዝቃወሞ ገሊጾም ኣለዉ።

ቅድሚ ትማሊ ናይ ኢጣሊያ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ሊቀ መንበር ናይ ጀኖቫ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል አንጀሎ ባኛስኮ “ብዛዕባ ሕይወት ኣብ ዝምልከቱ ኣገደስትን ዓበይትን ሕቶታት ብናይ መንጎይናነት ዓይነት ከይዲ ውሳኔ ምሃብ ጌጋ ኢዩ” ቢሎም ተኣዝዞ ሕሊና ክነቓቓሕ ከምዘተሓሳሰቡ፣ ኣቨኒረ እተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዕለታዊ ጋዜጣ ከምዝሓበረ ዝዝከር ኢዩ።

ምንጻል ጽንሲን ጥንሲ ንምዕጋት ዝግበር ናይ ስነ ምርምር ከይዲ ብሓፈሻኡ እዚ ኣብ ኢጣሊያ ኣብ ቤት ሕክምናታት ፍቑድ ኮይኑ ዘሎ ጽንሲ ንምስዳድ ዝጠቅም መድኃኒት ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ “ማሕበር ካቶሊካውያን ሓኻይም ወትሩ ሚዛን መውሰዲ ውሳኔኡ፣ ተኣዝዞ ሕሊና ከምዝኾነን ገሊጾም፣ እቲ መድኃኒት ብሕጊ ፍቑድ እንተኾነ እውን ካቶሊካውያና ሓኻይም ሕሊናዊ ተቓውሞ ከስምዑ ትሑዛት ኢዮም” ኢሎም፣ “እዚ ውሳኔ እዚ ብካቶሊካውያን ሓኻይም ጥራሕ ዘይኮነስ ዳርጋ ካብ ማእከላይ ብዝሒ ሓኻይም ንላዕሊ ዝኽተሎ መገዲ ኢዩ” ኢሎም። ናይ ቀደም ንምንጻል ጽንሲ ዘገልግል ዝነበረ ናይ ሕክምና ሜላ ሓደገይና ከምዝነበረ” ገሊጾም “ኣብዚ እዋን እዚ ግን እዚ ናይ ሞት ባህሊ ብቐሊል መገዲ ክፍጸም ዝኽእል ኮይኑ ኢዩ፣ ኣብ ዝኾነ ይኹን ደረጃ ሳይንሳዊ ምዕባለ እውን እንተተበጽሔ ናይ ሞት ባህሊ ኣወንታውን ፍቑድን ዝገብሮ ምኽንያት ኣይኮነን ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.