2009-08-03 08:56:42

ኣሲዚ፣ መዓልቲ ሥርየተ ሓጢኣት


ጽባሕ ዕለት 2 ነሓሰ 2009 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ኣሲዚ፣ “ዕለተ ምሕረት” ክብዕል ምዃኑ ተሓቢሩ። እዚ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዕለት 2 ነሓሰ 1216 ዓ.ም.ፈ. ዘጀመሮ ጸጋ ስርየት ሓጢኣት እትቕበለሉ ዕለት RealAudioMP3 ክኸውን እንከሎ፣ እዚ ይቕረ ናይ ምብህሃልን ምሕረት ናይ ምሕታትን መንፈሳዊ ጉዕዞ ዘንጸባርቕን ዝነበረሉን ዓቢይ በዓል፣ ንእግዚኣብሔር ጸጋ ምሕረትን ስርየት ሓጢኣት ዝሕተተሉ ዕለት ከምዝኾነ ዜኒት ናይ ዜና ኣገልግሎት ናይ ኡምብሪያ ናይ ፍራንቸስካውያን ንኡሳን ኣኃው ማኅበር ዘውጽኦ መግልጺ ጠቒሱ ይሕብር።

ጽባሕ ሰንበት ናይ ስርየት ሓጢኣት ሥርዓት ጸሎት ናይ ፍራንቸካውያን ንኡሳን ኣኃው ጠቕላሊ ሓለቓ ኣባ ኾሴ ሮድርገዝ ካርባሎ ክመርሕዎ ከምዝኾኑን ቀጺሉ ዝቐርብ ቅዳሴ ድማ ብፁዕ ካርዲናል አቲሊዮ ኒኮራ ክመርሕዎ ምዃኖም ዜኒት ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ። ኣብዚ በዓል’ዚ ካብ ሃገራት ኤውሮጳ ዝተዋጽኡ ልዕሊ 1500 መንእሰያት ክሳተፉ ምዃኖም እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.