2009-08-01 13:20:08

ኣብ ናይጀርያ ተፈጢሩ ዘሎ ግጭት


ቦኮ ሓራም ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጉጅለ ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ሻሪዓ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሕጊ ሃይማኖት ምስልምና ኣብ መላእ ናይጀሪያ ገቢራዊ ክኸውንን ናይ ምዕራባውያን ኣነባብራን ትምህርትን ሓጢኣት ኢዩ RealAudioMP3 ቢሎም ንዝኣምንሉ ኣመለኻኽታ ኣብ መላእ ናይጀሪያ ክስፋሕፋሕ ዓሚቶም ዘንቀልዎ መጥቃዕቲ ናይ ናይጀሪያ ሓይሊ ምክልኻል ይምክቶን የፍሽሎም ከምዘሎ ተሓቢሩ።

በዚ ሽድሽተ መዓልቱ ዝሓዘ ናይ ሕድ ሕድ ግርጭት ምኽንያት 600 ሰባት ከምዝሞቱ ክንገር እንከሎ፣ ካብ ናይጀሪያ ዝፍነዉ ዜናታት ከምዝሓበርዎ፣ ናይቶም ዕጡቓት ኣኽረርቲ ምስልምና መራሒ ሞሓመድ ዩሱፍ ገዛእ ርእሶም ንምድሓን እናሃደሙ እንከለዉ ከምእተቐትለ ተፈሊጡ። ብዛዕባ እዚ ተኸሲቱ ዘሎ ሁከት ብዝምልከት ናይ ናይጀሪያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ከምዘውጽኤ ተሓቢሩ። ናይ ኣቡጃን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጆን ኦሎሩን ፈሚ ኦናየካን ምስ ረድዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ “ሕይወት ሰብ ብኸንቱ ክጠፍእ ዘሕዝን እዩ፣ ቢሎም እቶም ጉጅላዊ ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና፣ ናይ ገዛእ ርእሶም ኮነ ናይ ካልኦት ሕይወት ዘየኽብሩ ኢዮም። ብዙሓት ከይተረድኦም እቶም ኣኽረርቲ ዘስፋሕፍሕዎ ስነ ሓሳብ ብዕምቱ ከምዝኣምንሉ ዘመስከረ ሁከት ኢዩ፣ ኣብ ናይጀሪያ ኣብ መንጎ እስላምን ክርስትያንን ግጭት ኮነ ምስሕሓብ ፍጹም የሎን ቢሎም እቲ ግጭት እቶም ውሑዳት ኣኽረርቲ ምስልምና ዝፈጥርዎ ዘለዉ ኢዩ” ከምዝበሉ ተሓቢሩ። ናይ ናይጀሪያ ርእሰ ብሔር እስላማይ ኢዮም፣ እንተኾነ ድማ ነቲ እቶም ኣኽረርቲ ዘለዓዓልዎ ሁከትን ዝኽተልዎ ዕላማን ኮኒኖም፣ ተሓተቲ ንፍርዲ ክቐርቡ ከምዘተሓሳሰቡ” ብፁዕ ኣቡነ ኦሎሩንፈሚ ኦናየካን ገሊጾም፣ “እቶም ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ኣብ ናይጀሪያ ዘሎ ምዕባለን ማሕበራውን ግላውን ናብራ ጸረ ምስልምና ሃይማኖት ኢዩ ብዝብል ድኹም ዝኣምነሉ አመለኻኽታ ዘተኣታተዎ ግጭት ኢዩ” ኢሎም፣ እንተ ኾነ ግን ንመላእ ናይጀሪያውን ምእመናን ምስልም ዘይውክል ኣመለኻኽታ ኢዩ” እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.