2009-08-01 13:30:53

ናይ ቨነዝዋላ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ


ኣብ ቨነዝዋላ ዘሎ ሓድሽ ናይ ትምህርቲ መደብ፣ መደብ ትምህርቲ ስነ ሃይማኖት ዘየጠቓልል ከምዝኾነ ናይ ትምርቲ ጉዳይ ሚኒ. ዝሃብዎ መግለጽ መሠረት ገይሮም ናይ ካራካስ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኾርኼ ኡሮሳ ሳቪኖ መልሲ እንክህቡ RealAudioMP3 ፣ ናይ ስነ ሃይማኖት መደብ ትምህርቲ ሓደ ናይ ትምህርቲ ፍክሊ ጥራሕ ዘይኮነስ መሰል ኵሉ ዜጋ እውን ኢዩ ከምዝበሉ ተሓቢሩ።

ናይ ቨነዝዋላ ናይ ትምህርቲ ጉዳይ ሚኒ ኣብ ሓደ ቤት ምህርቲ ናይ ስነ ሃይማኖት መደብ መምህር ዝኽተሎ ሃይማኖት ዘንጸባርቕ ኢዩ፣ እዚ ድማ ነቶም ካብቲ እቲ ናይ ስነ ሃይማኖት መምህር ዝኽተሎ ሃይማኖት ፍልይ ዝበለ ሃይማኖት ዝኣምኑ ተመሃሮ ዝንጽል ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ መወገዲ ምክንያት ስነ ሃይማኖት መደብ ትምህርቲ፣ ብፁዕ ካርዲናል ኡሮሳ ሳቪኖ ኢምኽኒያታዊ ኢዩ ቢሎም፣ ናይ ስነ ሃይማኖት ትምህርቲ ምስከምቶም ምስ ልኡላውነት ሃገር ዝተኣሳሰሩ ከም ናይ ስነ መልክዕ መሬትን ስነ ታሪኽን፣ ናይ ስነ ቋንቋን ትምህርቲ ኣይኮነን ዝበሃብል ኣዘራርባ ጌጋ ኢዩ፣ እቲ ናይ ስነ ሃይማኖት ትምህርቲ ናይቶም ተመሃሮ ወለድታት ዝኽተልዎ ሃይማኖት መሠረት ዝገብር ክኸውን ኣለዉ ከምዝበሉ ዜኒት ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ብፁዕ ካርዲናል ኡሮሳ ሳቪኖ መንግሥቲ፣ ናይ ትምህርቲ መምርሒ እንኮ ረቛን ወናንን ክኸውን የብሉን ቢሎም ናይ ካቶሊክ ኣቢያተ ትምህርቲ ናይ ስነ ሃይማኖት መደብ ትምህርቲ ካብ መደብ ትምህርቲ ከምዘየትርፍዎ ሓቢሮም ኣለዉ።








All the contents on this site are copyrighted ©.