2009-07-31 09:35:52

ሰላም ኰስኲስካ ክተፍሪ እንተደሊኻ ንፍጥረት ተኸናኸን፡


ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ ንዝመጽእ ዘሎ ዓመት 2010 ባሕቲ ጥሪ ንዝኽበር ዓለም ለኸ ዕለተ ሰላም ንክተሐላለፍ ዝተመደበ መልእኽቲ ፡ ሰላም ክትዕቅብ እንተደሊኻ ንፍጥረት ተኸናኸን ከም ዝተሰየመ አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ፍትሕን ሰላም ጳጳሳዊ ቤት መኽሪ ዘውጽኦ መግለጺ አመልኪቱ።

ወዲ ሰብ ፍትሒ ማኅበራዊ ማዕርነት ዓለም ለኻዊ ምትሕብባር እንተዘይ አረጋጊጹ እዚ ሕጂ ዘሎን ዝመጽእ ዘሎ ትውልድን ህውከትን ስእነት ሰላምን ከጥቅዖ ከም ዝኽእል እቲ መግለጺ አተሐሳሲቡ ።

ወዲ ሰብ ሰላም ከስፍን ዝኽእል ብሐዲሽ መንፈስ ተለዓዒሉ አብዛ ዓለም እዚአ ዝነብሩ ሰባት ነንሕድሕዶም ዝተመረዃኾሱ ከም ዝኾኑ ብምርዳእ ነንሕድሕዶም እንተተረዳዲኦም ናይ ሐባር ሐላፍነት እንተወሲዶምን ከም ዝኾነ ናይ ፍትሕን ሰላምን ጳጳሳዊ ቤት መኽሪ ዘውጽኦ መግለጺ አገንዚቡ።

አብ ልዕሊ ሕይወት ዘለዎም ፍጥረታት ክመጽእ ዝኽእል ተፈጥሮአዊ ሐደጋታት ክምከቱ ዝክእሉ ወዲ ሰብ አብ ዕቀባ ሥነ ሕይወት ዘለዎ ግንዛቤ ክብ እንተቢሉን ነንሕድሕዱ ክላዘብን ክረዳዳእን እንተኽኢሉ ከም ዝኾነ ክአ እቲ መግለጺ ሐበሬታ ሂቡ አሎ።

ዕቀባ ሥነ ሕይወት ብተዘዋዋሪ መንገዲ ዕቀባ ሰላም ከም ዝኾነ ክአ አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ፍትሕን ሰላም ቤት መኽሪ ዘውጽኦ መግለጺ አመልኪቱ።

ናይቲ ጳጳሳዊ ቤት መኽሪ ሊቀመንበር ብፁዕ ካርዲናል ረናቶ ራፋኤል ማርቲኖ ክንክን ከባቢ ብዝምልከት መግለጺ ክህቡ ከለዉ ከም ዘመልከትዎ ፡ ባይቶ ሕቡራት ሀገራት ንመጀመርያ ግዜ ብ1972 አብ ሽውደን ርእሰ ከተማ ስቶክሆልም ዓለም ለከ ጉባኤ ምክንኻን ከባቢ ከም ዝጸውዔ ዘኪሮም ፡ ቅድስቲ መንበር አብኡ ተረኺባ ጥቡቅ ዝኾነ ሐለዋ ከባቢ ከም ዘድልን ሥነ ሕይወት ዘተኮረ ዓለም ለኸ ወፈራ ክካየድ ህዝቢ በዚ ጉዳይ”ዚ ንቅሐትን ግንዛቤን ክህልዎ አተሐሳሲባ ነይራ።

ሐለዋን ክንክንን ከባቢን ንኤኮኖምያውን ማኅበራውን ልምዓት ወሳኒ ከም ዝኾነ ዘመልከቱ አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ፍትሕን ሰላምን ጳጳሳዊ ቤት መኽሪ ሊቀመንበር ብፁዕ ካርዲናል ረናኦቶ ራፋኤል ማርቲኖ ፡ አብ ልዕሊኡ ሐቀኛ መሰል ዕቤት ህዝቢ ከረጋግጽ ከም ዝሕግዞ አገንዚቦም።

ምክንኻን ከባቢ ወይ ክአ ሃዋህው ብሐፈሻ ዕቀባ ኩሉ ፍጥረታት አዝዩ አድላዪ ከም ዝኾነ ብፁዕ ካርዲናል ረናቶ ራፋኤለ ማርቲኖ ጠቂሶም ንአብነት ሃብቲ ማይ ብዝግባእ እንተዘይተታሒዙ አብ መንጎ ሰባት ህውከት ክፈጥር ከም ዝኽእል አመልኪቶም።

ምስ ከባቢ ዝተአሳሰሩ ሽግራት ጠንቁ ብዝሒ ህዝቢ ከም ዝኾነ ሥነ ህዝቢ ዘጽንዑ ምሁራት ዘቅርብዎ ክለሰ ሓሳብ ቦታ እናስአነ ዝኸይድ፡ ሐለዋን ክንክንን ከባቢን ክምዕብል ከሎ ከም ዝኾነ ክአ አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ፍትሕን ሰላምን ጳጳሳዊ ቤት መኽሪ ሊቀመንበር ብፁዕ ካርዲናል ረናቶ ራፋኤለ ማርቲኖ አገንዚቦም ።








All the contents on this site are copyrighted ©.