Home Archivio
2009-07-30 15:36:21
ጾታዊ ዓመጽ
ግጭትን ዓመጽን ኣብ ዝራኣየሉ ከባቢ ጾታዊ ዓመጽ ከምዝስፋሕፋሕን ንገዛእ ርእሱ ክም ሓደ ናይ ውግእ ኣጽዋር ኮይኑ ከምዝርኤን፣ ወተሃደራውን ፖሊቲካውን ማሕበራውን ሸቶታት ንምውቃዕ ጾታዊ
ዓመጽ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ከም መጋበሪያ ኮይኑ ከምዝርኤ እውን ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ብዛዕባ ጾታዊ ዓመጽ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጸኦ ሰነድ ክሕብር እንከሎ። ናይ’ዚ ዓለም ሓቆፍ ማኅበር ዋና ጸሓፊ ባን ኪ ሙን ኣብ ኣፍሪካን እስያን ኤውሮጳን ኣብ ዝኽሰቱ ግጭታት፣ ጾታዊ ዓመጽ ብሕልፊ ድማ ኣብ ልዕሊ ደቂ ንስትዮ ጾታዊ ዓመጽ ምፍጻም ከም ኣጽዋር ውግእ ኮይኑ ከምዘገልግል ሓቢሮም፣ እዚ ዓይነት ገበን ልክዕ ከም ገበን ምንጻት ዓሌትን ኣብ ዘርኢ ሰብን ኮይኑ ከምዝሕሰብ ኣብ ርዋንዳ ኣሩሻ ብዛዕባ ጉዳይ ሩዋንዳ ዝምልከት ዝቖመ ናይ ዓለም ሓቆፍ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ውሳኔ ባን ኪ ሙን ከምዝንኣዱ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ካብ 1996 ዓ.ም.ፈ ንነጀው ኣብ ዴሞክራሲያዊት ሬፓብሊክ ኮንጎ ብውሑድ 2 ሚእቲ ሺሕ ጾታዊ ዓመጽ ከምእተፈጸመን፣ ካብዚ ተፈልዩ ዘርይአይ ዓመጽን ዘረፋ ደቀ ንስት ኣብ ሰራሊዮን ብብዝሒ ዝርኤ ምዃኑን እዚ ድማ ብዓማጽያን ዕጡቓት ኃይልታት ጥራሕ ዘይኮነስ ሓሓሊፉ ብመደበይና ወተሃደራት ዝፍጸም እውን ምዃኑ ኣብቲ ሰነድ ተጠቂሱ ይርከብ።
All the contents on this site are copyrighted ©.