2009-07-30 15:33:23

ጸረ ዘደንዝዙ ዕፀዋት


ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ጸረ ዘደንዝዝ ዕፀዋት ዝዓዪ ቤት ጽሕፈት ኣብ 2009 ዓ.ም.ፈ “ዘደንዝዝ ዕጽዋት ኣብ ዓለም”፣ ብዝብል ኣርእስቲ ዘውጽኦ ሓባሪ ሰነድ ቅድሚ ትማሊ ኣብ ናይ ኢጣሊያ RealAudioMP3 ፓላዞ ኪጂ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሕንጻ ቤተ መንግሥቲ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ብወግዒ መግለጺ ከምእተወሃበሉ ተሓቢሩ።

ምጥቃምን ምስፍሕፋሕን ወልፊ ዘደንዝዝ ዕፀዋትን ኣብ ዓለም እንታይ ከምዝመስል ዝሕብር ሰነድ ከምዘመልክቶ፣ ናይ ኣልኮልን ሽጋራን ግዙእ ዝኾነ ቍጽሪ ሕዝቢ ዘተሓሳብ እኳ እንተኾነ ብዓለም ደረጃ ክራኤ እንከሎ ተጠቃሚ ዘዕወንውን እጽዋት 5% ከምዝኾነ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ኣብ ሕቡራት መንግሥታታ ኣሜሪካ ብዝሒ ግዙእ ናይዚ ዘደንዝዝ ዕፀዋት እናጎደለ ይኸይድ ከምዘሎ ኣቲ ሰነድ ብምምልካት፣ ኣብ ኢጣሊያ ናይቲ ፎኪስ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዘደንዝዝ ዕፀዋት ዝወስድ ብዝሒ መንእሰይ እናዓበየ ይኸይድ ከምዘሎ ይሕብር። እዚ ድማ ኢጣሊያ ብቝጽሪ ተጠቃሚ ዘደንዝዝ ዕፀዋት ኣብ ኤውሮጳ ድሕሪ እታ ቀዳመይቲ ዝኾነት ዓባይ ብሪጣኒያ ክምእትስራዕ እቲ ሰነድ የመልክት።

ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ጸረ ዘደንዝዝ ዕፀዋት ዝዓዪ ቤት ጽሕፈት ኣመሓዳሪ ኣንቶኒዮ ኮስታ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ኣብ ዓለም ቍጽሪ ብወልፊ ኣልኮልን ሽጋራን ዝጥቅዑን ኣብተን ብኤኮኖሚ ዝማዕበላ ሃግራት ቍጽሪ ተጠቃሚ ዝዕውሉ ዕፀዋት ሓደጋ ንምድሓን ብዙሕ ጻዕሪ ኣብ ዝግበረል ዘሎ እዋን፣ እቲ ዘሕዝን ኣብ ድኻታት ሓገራት ዘርእዮ ዘሎ ምስፍሕፋሕ ኢዩ፣ ሕቡራት መንግሥታታ ዓለም እቶም ናይዚ ዘዕውል ዕፀዋት ውሉፍ ምዃን ከም ሕማም ተሓሲቡን እቶም ናይዚ ዘዕውል ዕፀዋት ውሉፋት ክንክን ጥዕና ረኺቦም ካብዚ ሓደጋ ንኽላቐቑ፣ ውሉፍነት ሕማም ምዃኑ ኣብ ምርዳእ ዘርይእዮ ዘሎ ጻዕሪ ዝነኣድ ኢዩ ኢሎም፣ ምስፍሕፋሕ ዘደንዝዝ ዕፀዋት ንምድራትን ዘስዕቦ ማሕበራውን ሰብኣውን ሽግራት ዘረድእ ወፈራ ከተባብዑ እዚ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ወትሩ ከምዘተባብዕ ገሊጾም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣብዚ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.