2009-07-30 16:08:12

ዕረፍቲ ሓጋይ ር.ሊ.ጳጳሳት ተዛዚሙ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ሰሜን ጣሊያን ኣብ ጎቦታት ኣልፕስ ቁሸት ለስኮምበስ ንክለተ ሰሙን ናይ ሓጋይ እዋን ዕረፍቲ ከምዝገብሩ እንክፍለጥ ነዚ ናይ 17 መዓልትታት ዕረፍቶም ዝዛዘሙ RealAudioMP3 ትማሊ ሮቡዕ እዩ፣ ኣጋ ምሸት ብኣይሮፕላን ናብ ሮማ ተመሊሶም ናብቲ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት እዋን ሓጋይ ዘሕልፉሉ ሓዋርያዊ ኣደራሽ ከተማ ካስተልጋንዶልፎ ብሰላም ኣቲዮም።

ቅዱስነቶም ካብ ቁሸት ለስኮምበስ ቅድሚ ምንቃሎም ዕረፍቶም ብጽቡቕ ንኽሳለጥ ንዝተሓባበርዎም ሰበሥልጣን መንግሥትን ኃይልታት ፀጥታን ተቀማጦ ሕዝቢ ከተማ ኢንትሮድን ናይ ምስጋናን ስንብታን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ካብ ምምሕዳር ከተማ ኢንትሮድ ድማ ናይ ክብሪ ዜግነት ፍቓድ ተቐቢሎም።

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳጳሳት ትማሊ ሮቡዕ ምሸት ብኣይሮፕላን ናብ ብሔራዊ መዓርፎ ኣየር ቻምፒኖ በጺሖም ብመኪና ናብ ከተማ ካስተልጋንዶልፎ ኣቲዮም፣ ኣብኡ ኣቡን ኣልባኖ ምስ ምእመናን ድሙቕ ኣቀባብላ ከምዝገበሩሎም ተመልኪቱ።

ቅዱስነቶም ኣብ ካስተልጋንዶልፎ ክሳዕ መጨርሻ ወርሒ መስከረም ክጸንሑ እዮም ብሄሊኮፕተር ናብ ቫቲካን እናተመላለሱ ድማ ሮቡዓዊ ኣስተምህሮ ከቕርቡ ከምዝኾኑ ተገሊፁ ኣሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.