2009-07-30 15:37:34

ኣንጎላ


ኣብ ኣንጎላ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ቆላዑ ብናይ ጥንቆላ ባህሊ ዝወርዶም ሓደጋ ጠሪሹ ክውገድ ኣብ ኣንጎላን ሳን ቶመን ፕሪንስን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል ኮይኖም ብዝሓለፈ ሰሙን ዝተላእኹ ብፁዕ ኣቡነ RealAudioMP3 ጆቫኒ ኣንጀሎ ቤቹ ኣብ ካክሲቶ ዝበዓለ መበል 124 ዓመታዊ በዓል ቅድስቲ ሃና ምኽንያት ቅዳሴ መሪሖም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ሓደራ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኣንጎላ ናይ ባህላዊ ፈውሲ ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን ብዝብል ስም ኣብ እትጽዋዕ ቤተ ክርስትያን ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ዓመጽ ኣዚዩ ዘስካሕክሕ ከምዝኾነ እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት ዘኪሩ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ኣንጎላ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዋን ግዳም ሓደር ሕጻናትን ኣረገውያንን ጠንቆልቲ ኢዮም እናተበሃሉ ዝወርዶም ሓደጋ ጸረ ክርስትናን ወንጌልን ምዃኑ ገሊጾም እዚ ዓይነት ኣመለኻኽታ ንምውጋድ ኵሉ ክተግህ ከምዘተሓሳሰቡ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት የዘኻኽር።








All the contents on this site are copyrighted ©.