2009-07-28 14:28:21

ኣፍጋኒስታን


ኣብ ኣፍጋኒስታን ድሕሪ ሓደ ወርሒ ንኽካይድ ተወሲኑ ዘሎ ሕዝባዊ መረጻ እናተቓረበ ኣብ ዘለሉ እዋን ኣብ’ዛ ሃገር ዘሎ ዘይምርግጋእ ክብ የብሎ ከምዘሎ ይንገር። ኣብዘን ዝሓለፋ ውሑዳት ሰዓታት ዝተፈላለዩ መጥቃዕትን RealAudioMP3 ከምዝተፈጸሙን ክልተ ናይ ኣፍጋኒስታን ኣባላት ሓይሊ ጸጥታን 16 ኣባላት ጣሊባንን ሓደ ናይቲ ኢሳፍ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ዓለም ሓቆፍ ወተሃደራዊ ተልእኮ ኣባል ዝርከብዎም ብጠቅላላ 22 ሰባት ከምዝሞቱ ይንገር።

ብዛዕባ ኅልው ኩነታት ኣፍጋኒስታን ኣመልኪቶም ኣብ ኢጣሊያ ናይ ዓለም ሓቆፍ መጽናዕቲ ተቛም ሊቀ መንበር ኣንድረያ ማርጀለቲ ምስ ረድዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ “ኣብ ኣፍጋኒስታን ምርግጋእ መታን ክህሉ እቶም ኣብዛ ሃገር ዝርከቡ ዕጡቃት ተጻይ ማእከላይ መንግሥቲ፣ ኣብ ናይ ኣፍጋኒስታ ሰላምን ምርግእን ተራ ኣለዎም ተባሂሉ ምስኣቶም ስምምዕ ምግባር ኣድላይነት ከምዘለዎ ኢዩ ዝእመን፣ እዚ ውሳኔ እዚ ግን እቲ ዝድለ ሰላምን ምርግጋእን ከምጽእ ኢዩ ቢልካ ምሉእ ብምሉእ ንምእማኑ ዘጸግም ኢዩ። ኣብዛ ሃገር ንዘለዉ ዓሌታትን ኣረጋያንን ኣብ ናይ ሃገሮም ሰላምን ምርግጋእን መደብ ክዋስኡ ዕድል ምሃብ ናይ ዓለም ሓቆፍ ዓቅቢ ሰላም ዝኽተሎ ዘሎ መስርሕ፣ ምስ ናይ ኣፍጋኒስታን ሓይሊ ጸጥታ ብሓባር ዝካይድዎ ዘለዉ ጸረ ጣሊባንን ጸረ ናይ ጉጅለ ገበነይናታትን ንግድ ዘይ ሕጋዊ ኣጽዋር ውግእን ዘደንዝዙ እጸዋትን ዝመርሑ ጉጅለታት ንምጥፋእ ዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕሪ ውጽኢቱ ቀስ እንበለ ይርአ” ከምዝሎ ሓቢሮም።

“ኣብ ኣፍጋኒስታን መደብ ዳግማይ ሕንጸት ብዙሕ ኣይሰጎመን ስለዚህ ሃገራት ዓለም ሓቆፍ ኣብ ውግእን ተዅስን ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ኣብ ትግባሬ መደብ ልምዓት ክብርቱዕን ክግደሱን ይግባእ ኢሎም”። “እዚ ኵሉ ከየረጋገጽካ ካብ ኣፍጋኒስታን ምውጻእ ማለት ነዛ ሓገር ዘማሕድር ንዝነበረ ፋሉል ሥርዓት ጣሊባን ኣሕሊፍካ ምሃብ ማለት ኢዩ፣ ስለዚህ እቲ ናይ ዓለም ሓቆፍ ጸረ ጣሊባን ወተሃደራዊ ተልእኾ ብመደብ ልምዓት እውን ዝተሰነየ ክኸውን ኣለዎ” ኣንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.