2009-07-28 14:26:37

ምዝዛም እዋን ዕረፍቲ ሓጋይ ር.ሊ.ጳጳሳት


RealAudioMP3 ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ሰሜን ጣልያን ጎቦታት ቫልዶስታ እትርከብ ቁሸት  ለስኮምበስ  ናይ ሓጋይ እዋን ዕረፍቶም ኣብ ምቅናዕ ከምዝርከቡ እንክፍለጥ ጽባሕ ሮቡዕ ነዚ እተጠቕሰ ናይ ክልተ ሰሙን ዕረፍቲ ዛዚሞም ናብ ሮማ ተመሊሶም ናብቲ ክሳዕ እዋን ሓጋይ ዝውዳእ መጨርሻ ወርሒ መስከረም ዝጸንሑሉ ናይ ሓጋይ እዋን መንበሪ ሓዋርያዊ ኣደራሽ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ቁሸት ካስተልጋንዶልፎ ክኸዱ ከምዝኾኑ ኣቀባል ቃል ር.ሊ.ጳጳሳት ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ትማሊ ካብ ለስኮምበስ ንረዲዮ ቫቲካን ዘመሓላለፍዎ ዜና ኣመልኪቱ።



ቅዱስነቶም ዝሓለፈ ሰንበት ሥርዓት ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ዘመሓላለፉ ካብ ሰገነት ካተድራል ኣኦስታ እንክኾን ሕዝቢ ከተማ ኢንትሮድን ከባቢኡን ዝተሰመዖ ታሕጓስን ሓልዮትን ቅርበትን ንር.ሊ.ጳጳሳት ዝገለጸሉ ፍሉይ ናይ በዓል ኣጋጣሚ ነይሩ፣ ኣቐባል ቃል ር.ሊ.ጳጳሳት ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ከምዝገለጽዎ ኣብቲ ናይ ዕለተ ሰንበት ማርያማዊ ጸሎት ካብ ሓሙሽተ ሺሕ ንላዕሊ ዝግመቱ ምእመናን ተሳቲፎም፣ ዕረፍቲ ቅ.ኣ. ር.ሊ.ጳጳሳት ደጊም እናተፈጸመ እንክኾን ትማሊ ሊቀ ጳጳሳት ቶሪኖን ኣቡን ኣኦስታን   ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም፣ ሊቀ ጳጳሳት ቶሪኖ ብፁዕ ካርዲናል ሰቨሪኖ ፖለቶ ንዝመጽእ ዓመት ንሕዝቢ ኣብ ዝቐርብ ናይ ቅዱስ መግነዝ ትርኢት ብኣካል ክርከቡ ንር.ል.ጳጳሳት ናብ ቶሪኖ ክመጹ ዓዲሞም፣ እቲ ጎ.ኢ.ክርስቶስ ዝተገነዘሉ ቅ.መግነዝ ትውፊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቶሪኖ ከምዘሎ ይእመን ብምባል ኣቐባል ቃል ር.ሊ.ጳጳሳት ዕረፍቲ ሓጋይ ር.ሊ.ጳጳሳት ጠቒሶም ንረዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ዜና ገሊጾም።  








All the contents on this site are copyrighted ©.