2009-07-27 08:34:33

ቤተ መዘክራት ቫቲካን

 


ምምሕዳር ቤተ መዘክራት ቫቲካን ብዘውጽኦ ፍሉይ መደብ መሠረት ትማሊ ካብ ሰዓት ሸውዓተ ክሳብ ሰዓት 23 ንበጻሕቲ ክፉት ኮይኑ ከምዘምሰየ ተሓቢሩ። RealAudioMP3

ቤተ መዘክራት ቫቲካን ናይ 500 ዓመታታት ታሪኽ ከምዘለዎ ክንገር እንከሎ፣ ቤተ መዘክራት ቫቲካን ዕለት 14 ጥሪ 1506 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ዘመን ር.ሊ.ጳ. ጁሊዮ ዳግማዊ ከምዝተመሥረተ ታሪኽ ቤተ መዘክራት ቫቲካን የመልክት። ቀጺሉ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ክለመንቲኖn፣ ክለመንተ መበል 14 ፒዮስ ሻድሻይን ነቲ ሓንሳብ ዝቖመ ቤተ መዘከራት ቫቲካን፣ ስነ ጥበባውን ባህላውን ታሪኻውን ምዕራፋት መሠረት ብምቕጻል ር.ሊ.ጳ. ጎርጎሪዮስ መበል 16 በቲ ዝነበሮም ዓብይ ሊቅነት ስነ ባህሊ፣ ነቲ ቤተ መዘክራትን ብምምሕያሽ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 11 ልኡካነ ወንጌል ካብ ወንጌላዊ አገልግሎት ዝፍጽምሎም ሥፍራታት ነርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዝበርክተዎ ዝነበሩ ገጸ በረከት ዝሕዝ ክፍሊ ቤተ መዘርካት ቫቲካን ብምውሳኽ፣ ንናይ ቫቲካን ቤተ መዘክራት ብትሕዝቶ ሃብታም ከምዝገበርዎ ይንገር። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ መበል 500 ዓመት ናይ ምሥረታ በዓል ቤተ መዘክራት ቫቲካን ኣብ 2006 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ዝተዘከረሉ እዋን ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ “ቤተ መዘርክራት ቫቲካን ‘ቲዮሎጊያ ብስነ ንድፊ’ ዘስተምህርን ሥፍራ ናይ ስነ ጥበብን እምነትን ኣቢያተ መቕደሳት ኢያቶም” ቢሎም ከምዝገለጽዎ ዝዝከር ኢዩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.