2009-07-25 16:28:11

አብ አመሪካ መጐተ ተሐድሶ አገልግሎት ጥዕና


ፕረሲደንት ባራክ ኦባማ ብዘቅረብዎ ሐሳብ መሠረት ቤት መኽሪ ሕቡራት መንግስታት አመሪካ ተሐድሶ ሥርዓተ ሕክምና ብዚምልከት ይዝቲ ከም ዘሎ ክዝከር ከሎ ፡ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን አመሪካ እቲ ንኹሉ ዜጋ ናይ ምሕካም መሰሉ ክዕቀበሉ ዝአመተ ተሐድሶ አገልግሎት ጥዕና ከም ትድግፍ ከም ዘፍለጠት ክፍለጥ ከሎ ፡እቲ ህዝቢ ብዝኸፍሎ ቀረጽ ዝርከብ ገንዘብ ንምንጻል ጽንሲ ክውዕል ከም ዘይግባእ ከም ዘተሐሳሰብት ካብ ዋሺንግቶን ዝመጸ ዜና ሐበሬታ ሂቡ አሎ።

ናይ አመሪካ ረኪበ ጳጳሳት ናይ ፍትሕን ሰላምን ልምዓትን ኮሚስዮን ዳረክተር ካቲ ሰይለይ ከም ዘመልከትኦ ፡ ተሐድሶ ሥርዓተ ሕክምና አመሪካ ክሕደስ ሃብታምን ድኻን ብቁዕ ሕክምና ክረክብ ዳርጋ ኩሉ ሰብ ዝድግፎ ሐሳብ ኮይኑ ፡ እቲ ዓቢ ሽግር እዚ ተሐድሶ”ዚ ገቢራዊ ክኸውን ሐደ ሚልያርድ ዶላር ጥራሕ ዘይኮነ ክልተ ሰለስተ ሚልያርድ ዶላር ስለ ዘድሊ እዚ ገንዘብ”ዚ ካበይ ይምጻእ ብማለት ኮንግረስ ማለት ቤት መኽሪ አመሪካ ይዝትየሉ አሎ።

አብ ቤት መኽሪ አመሪካ አባላት ሰልፊ ዲሞክራቲክ ማለት ሰልፊ ፕረሲደንት ባራክ ኦባማ ከይተረፉ ነቲ ተሐድሶ ከም ዘይድግፍዎ ካቲ ሰይለ ጠቂሰን እቲ ተሐድሶ ገቢራዊ ምኻኑ ከም ዝጠራጠራ ከም ዘመልከታ እዚ ካብ ዋሺንግቶን ዝመጸ ዜና አገንዚቡ ።

አብ አመሪካ ብሕጊ ዝነብሩ ወጻእተኛትትን ስደተኛታትን ከምኡ ክአ አባላት ድኻ ማኅበረሰብን አገልግሎት ጥዕና ከም ዘይረኽቡ ክምልከት ከሎ ተሐድሶ አገልግሎት ጥዕና እንተተገይሩ አገልግሎት ጥዕና ክረኽቡ ድዮም አይረኽቡን እዚ ርእሱ ዝክአለ ሽግር ይኸውን ከም ዘሎ ይምልከት።



ናይ አመሪካ ረኪበ ጳጳሳት ናይ ፍትሕን ሰላምን ልምዓትን ኮሚስዮን ዳይረክተር ካቲ ሰይለይ ከም ዘመልክትኦ ጳጳት አመሪካ አብቲ ንኮንግረስ ማለት ንቤት መኽሪ ዝጽሐፍዎ መልእክቲ እቲ ተሐድሶ አገልግልት ጥዕና ብሕጊ ንዝነብሩን ብሕጊ ንዘይነብሩን ንድኻታት ዝሐቆፈ ክኸውን ከም ዘለዎ ዘተሐሳስብ ኢይ ኔሩ።

አብ ልዕሊ”ዚ አብ ሕቡራት መንግስታት አመሪካ ምንጻል ጽንሲ ብሕጊ ፍቁድ ይኹን ድአምበር ህዝቢ ብዝኸፍሎ ቀረጽ ዝተረኽበ ገንዘብ አብ ምንጻል ጽንሲ ፍጹም ክውዕል ከምዘይብሉ ፡ ሐካይም ይኹኑ አለይቲ ሕሙማት አገልግሎት ምንጻል ጽንሲ አንህብን ብማለት ናይ ሕልና ተቃውሞ ንዝገብሩ ነጻነቶምን መሰሎምን ክኽበረሎም ጳጳሳት አመሪካ ካብቲ ዝማጐትሉ ዘለዉ ጉዳይ ሐደ ምኻኑ ካቲ ለሰይለይ መግለጺ ከም ዝሀባ ተፈሊጡ አሎ ።








All the contents on this site are copyrighted ©.