2009-07-23 13:58:35

ዕረፍቲ ሓጋይ ር.ሊ.ጳጳሳት


 ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳጳሳት በነዲክቶስ 16 ናይ ሓጋይ እዋን ዕረፍቶም ካብ ዝጅምሩ ደጊም ዓሠርተ ሓደ መዓልቲ ኣሕሊፎም፣ ቅዱስነቶም እቶም ጎቦታት ኣልፕስን ሽንጭሮ ኣኦስታን ብተፈጥሮኦም ክጽግውዎም ዝኽእሉ ሰላምን RealAudioMP3 ህድኣትን እናስተማቐሩ ብሓቂ ጽቡቕ ናይ ዕረፍቲ እዋን የሕልፉ ከምዘለዉ ኣቐባል ቃል ር.ሊ.ጳጳሳት ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ካብ ቁሸት ለኮምበስ ብስልኪ በብግዜኡ ንረዲዮ ቫቲካን ዘመሓላልፍዎ ዘለዉ ዜና የረጋግጾ።

ር.ሊ.ጳጳሳት ኣብ ቁሸት ለኮምበስ ሽንጭሮ ኣኦስታ ብኣ.ፈ. ክሳዕ 29 ሓምለ ክጸንሑ ከምዝኾኑ ድኅሪኡ ድማ ናብ ካስተልጋንዶልፎ ተመሊሶም ክሳዕ መጨረሻ ወርሒ መስከረም ናይ ሓጋይ ዕረፍቲ እዋን ከሕልፉ ከምዝኾኑ ይፍለጥ።

ጽባሕ ዓርቢ ድኅሪ ቀትሪ ኣብ ካተድራል ኣኦስታ ምስ ውሉደ ክህነትን ደናግልን ወከልቲ ዓለማውያን ምእመናንን ጸሎተ ሠርክ ኣዕሪጎም ስብከት ከስምዑ ሰንበት ድማ ኣብ ቁሸት ለኮምበስ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ምስ ሕዝቢ እቲ ከባብን መንፈሳውያን በጻሕትን ክደግሙ እዮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.