2009-07-23 14:21:26

ዒራቕ


ኣብ ዒራቕ ኣብ ዝሓለፈ ዕለት 12 ሓምለ 2009 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ልዕሊ ኣቢያተ ክርስትያናት ዝወረደ ተኸታታሊ ናይ ሽበራ መጥቃዕቲ ኣብ ግምት ብምእታው ምእንቲ ኣቢያተ ክርስትያንን ናይ እምነት መግለጺ ሥፍራታት RealAudioMP3 ውሕስነት ዝዓዪ ፍሊዩ ሓይሊ ጸጥታ ክቐውም ኢዩ ዝበሃል ዘሎ ዘረባ ናይ ባግዳድ ከለዳዊት ቤተ ክርስትያን ተሓባባሪ ፓትሪያርክ ብፁዕ ኣቡነ ሽለሞን ዋርዱኒ ገሊጾም፣ “ሓቂ እንተድኣ ኮይኑ ደስ ዘብል ውሳኔ ኢዩ” ኢሎም፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ፓትሪያርክ ብጹዕ ካርዲናል ኤማኑኤል ሳልሳይ ደሊ ኮይኖም ምስ መራሔ መንግሥቲ ኑሪ ኣ ላምሊኪ ከምእተራኸቡን ድማ ሓቢሮም እተን ብመጥቃዕቲ ኣሸበርቲ ዝዓነዋ ኣቢያተ ክርስትያን ዳግም ንምሕናጽ ምስ ናይ ከባቢ ምምሕዳር ቤት ጽ/ፈት ርክብ ክግበር ኣል ማሊኪ ከምዘተሓሳሰቡ ድማ ብፁዕ ኣብነ ዋርዱኒ ገሊጾም እቲ ጸረ ኣቢያተ ክርስትያን መጥቃዕቲ ንምእመናን ክርስትያን ዘሰንበዶ እኳ እንተኾነ እምነቱ ካብ ምግላጽን ምንባርን ግን ድሕር ኣየበሎን ኢሎም።

 








All the contents on this site are copyrighted ©.