2009-07-23 14:04:33

ብዘይ ምኽባር ሰብኣዊ ሕይወት ሓቀይና ምዕባለ የሎን


ኣብታ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ካሪታስ ኢን ቨሪታተ - ፍቕሪ ኣብ ሓቂ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ ዘማእከሉ ዝተፈላለዩ ዓውደ መጽናዕትታትን ኣስተንታትን RealAudioMP3 ይካይዱን ብዝተፈላለዩ ምሁራት ርእይቶ ይወሃብ ከምዘሎን እንክንገር፣ ትማሊ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ፒዮስ 10 ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ማኅበር ደናግል ደቂ ንጽሕት ድንግል ማርያምን ኤለኣ ማለት ናይ መራኸቢ ብዙኃን ኣገልግሎት ዝህብን ዘማኽርን ማኅበር ብምትሕብባር ዘዳለውዎ ዓውደ መጽናዕቲ ከምእተኻየደ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ኣስተምህሮ ዝሃቡ ናይ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ዋና ኣመሓዳርን ጳጳሳዊ ናይ ሕይወት ተቛም ሊቀ መንበርን ብፁእ ኣቡን ሪኖ ፊዚኬላ እታ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዓዋዲት ምልእኽቲ “መጻኢ ኵነት እተገንዝብ” ኢያ ከምዝበሉ ተሓቢሩ። ሰብኣዊ ሕይወትን፣ ኤኮኖምን ኣብ ምሉእነት ዕብየት ሰብ ዝተመሥረተ ምዕባለ ተተሓሒዞም ከምዝኸዱን፣ እታ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣብ ምዕባለ ዘተኮረት ኢያ፣ ምዕባለ ንወዲ ሰብ ካብ ድኽነትን ጥምየትን ሕማምን መሃይምነትን ነጻ ዘውጽእ ጥራሕ ማለት ዘይኮነስ፣ ሓቀይና ምዕባለ ምሉእነት ዕብየት ሰብ ኣብ ግምት ዘእትው፣ ብዛዕባ ሓቅነት ሕይወትን ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ዘሎ ርክብን ሰብ ምስ ከባቢኡ ዘለዎ ርክብን ኣብ ግምት ዘእትው ምዃኑ ብዑምቀት እተረድእ ኢያ ኢሎም።

ዝኾነ ይዅን ጸረ ሕይወት ኣንፈት ዘለዎ ምዕባለ ዘይምዕባለ ኢዩ፣ ስለዚህ ሓቀይና ምዕባለ ሕይወት ዘነቓቕሕ እምበር ናይ ሞት ባህል ዘስፋሕፍሕ ማለት ኣይኮነን። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲቶስ መበል 16 ኣብ ቫቲካን ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ርእሰ ብሔር ባራክ ኦባማ ተቐቢሎም ኣብ ዘዛራረብሉ እዋን፣ ንርእሰ ብሔር ኦባማ እታ ዲግኒታቲስ ፐርሶነ እተሰምየት ናይ ስነ ሕይወት ስነ ምግባር መምርሒ እተረድእ መጽሓፍ ከም ገጸ በረከት እንክቕርቡ፣ ብዘይ ምኽንያት ኣይነበረን፣ ሓልዮት ሰብኣዊ ክብሪ ዘይብሉ ምዕባለ ዘይ ምዕባለ ምኻኑ እዩ ዘመልክት።

እዚ ጥራሕ እውን ዘይኮነስ ናይ ኤኮኖሚ ዓለም ግልጽነት ዘለዎ ኣሰራርሓ ክኽተልን ሓልዮትን ምትሕብባርን ዘነቓቕሕን ምግባረ ብልሽውና ዝቃወምን ናይ ተራድኦ ማሕበራት እውን ግልጽነት ዘለዎ ኣሠራርሓ ክኽተላ ከምዘለውን እተተባብዕን ካብ ስነ ምግባርን ግብረ ገብን ውጻኢ ዝቐውም ከይዲ ኤኮኖሚ ቀዋምነት ከምዘብሉ ብንጹርን ብጭቡጥን እተረድእ እያ ከምዘብሉ ተገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.