2009-07-23 14:15:41

ስደተይናታትን ተመዛበልትን


ብዛዕባ ናይ ፖሊቲካ ዑቕባ ዝሓቱ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ናይ ኤውሮጳ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ኅብረትን ቤት ምኽሪ ኅብረት ኤውሮጳን ከምዝተሓባበሩ ተገሊጹ። RealAudioMP3

ኣብ ናይ ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ኅብረት ብዛዕባ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጉዳይ ሊቅ ኣለሳንድሮ ካልጋኞ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ “ኩሎም ናይ ፖለቲካ ኣካላት መሰል ናይ ፖለቲካ ዑቕባ ዝሓቱን መሰል ስደተይናታትን ተመዛበልትን ከኽብሩ ይግባእ፣ ነዞም ስደተይናታት ግቡእ ደገፍ ክግበርን ብዛዕባ እዚ መሰልን ወዲ ሰብ ንዝምልከቶም ኣካላት ኩሎም ሕንጸት ክወሃብ ቤተ ክርስትያን ተነቓቕሕ” ኢሎም። “ስለዚህ ኣብ ልዕሊ ኵሎም ስደተይናታት ብድብድቡ ሓፈሻዊ ውሳኔ ክወሃቦ ዘይኮነስ ናይ ናይቶም ስደተይናታት ጉዳይ ሓደ ብሓደ ክጻረን ክጽናዕን ኣለዎ ይብሉ።

“ናይ ስደተይና መሰል ሥራሕን ትምህርትን መዕቆብን ክኽበር ኣለዎ፣ ብዙሓት ብምኽንያት ሃይማኖትን ፖለቲካን ኤኮኖምን ኢዮም ዝስደዱ ስለዚህ ስደት ባህ ኢልዎ ዝስደድ የሎን፣ ምእንቲ’ዚ ሃገራት ኤውሮጳን ኅብረት ኤውሮጳን ነዚ ዘማእከል ጉዳይ ስደተይና ዝቆጻጸር መምርሒ ክህልዎ ይግባእ፣ ዶብካ ምዕጻው መፍትሒ ኣይኮነን ቤተ ክርስትያን ነዚ ዘንጸባርቕ ሓሳብ ኢያ እተነቓቕሕ” እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.