2009-07-23 16:01:46

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ቅድስቲ መግደላዊት ናይ ሐዋርያት ሐዋርያ ምኻና ገሊጾም.

 


ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ትማሊ ቅድስቲ ማርያም መግደላዊት ዘኪራን አኽቢራን ከም ዝውዓለት ክፍለጥ እንከሎ፡ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ ቅድስቲ መግደላዊት ሐዋርያ ክርስቶስን ቀዳመይቲ ምስክር ትንሳኤ ክርስቶስን ከም ዝኾነት ገሊጾም። ቀጺሎም ቅድስቲ ማርያም መግደላዊት ምስ ቅዱስ ቶማስ ዘ አኲኖ ናይ ሐዋርያት ሐዋርያ ተባሂላ ክትግለጽ ትኽእል ኢሎም ።

ቅድስቲ ማርያም መግደላዊት ንሐዋርያት ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ሕይወት ቃል ዘበሰረት ቅድስቲ አደ ቅዱሳን ከም ዝኾነት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዕለተ ቅድስቲ መግደላዊት መሠሰረት ብምግባር አረዲኦም አለዉ።

ቅዱሳን መጻሕፍቲ ከም ዝትርኽዎ ፡ ቅድስቲ ማርያም መግደላዊት አብ ከባቢ ቀላይ ጥብርያዶስ ትነብር ዝነበረት ፡ ምስ ካልኦት ደቂንስትዮ ብሕማም ለምስን ሕማም ዛርን ትሳቀ ዝነበረት ካብ ውሽጣ “ሸውዓተ ሰይጣውንቲ” ከም ዝወጹን ፡ ድሐር ካብቲ ሕማም ምስ ድሐነት ብጾታ ኰይና ተኸታሊት ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኽነትን ኢያ።

ቅድስቲ ማርያም መግደላዊት ሰብአዊ ድኻም ምስ አጥቅዓ ብትሕትና ንኢየሱስ ክርስቶስ ሐገዝ ዝሐተተት ንሱ ክአ ካብቲ ዝነበራ ውሽታውን ግዳማውን ሽግራት ዘድሐና ካብኡ ንድሐር ሐዋርያኡ ክትከውንን ብቀረባ ክትክተሎን ዝወሰነት ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኃያል ፍቅርን ምሕረትን ካብ ሞትን ሐጢአትን ከም ዝብርትዕ ዝመስከረት ቅድስቲ ከም ዝኾነት ቅዱሳን መጻሕፍቲ ይነግሩናን የረድኡናን ።

ብግዜ ሕማማት ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘይካ ዮሐንስ ወንጌላዊ ካልኦት ሐዋርያቱ ክሀድሙ እንከለዉ ፡ ማርያም መግደላዊት ምስ ቅድስቲ ማርያም ወላዲተ አምላኽን ካልኦት አንስትን ኰይና ብጽንዓት አብ ትሕቲ መስቀሉ ዝተረፈት ተሰቂሉ ክመውት ከሎ ዝርአየት ዓባይ ቅድስቲ ከም ዝኾነት ይምስከረላ።

ድሕሪ ዓርቢ ስቅለት ንግሆ ቀዳም ስዑር ናብቲ ክርስቶስ ዝተቀብረሉ ቦታ ምስ ከደት እቲ መቃብር ጥርሑ ምስ ጸንሐ እናበኸየት ናበይ ወሲዶሞ ኢላ ብሐዘን ተመሊአ ዝነበረትን ድሐር ኢየሱስ ብስማ ጸዊዑ ዝተራእያን ማርያም መግደላዊት ኢያ ።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ብዓሰርተ ሐደ መጋቢት 2007 አብ ዝሀብዎ አስተምህሮ ፡ ንክርስቶስ ብንጽሕናን መንፈሳዊ ፍሥሐን እንተደሊናዮ ንሱ ባዕሉ ክጽውዓና ከም ዝኽእል ነቲ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ዝተአከበ ህዝበ ክርስትያን ከም ዝገለጹ ይዝከር።

ናይ ማርያም መግደላዊት ሐዘንን ጭንቅን ናብ ዘለአለማዊ ሐጎስ ከም ዝተለወጠ ክርስቶስ ንሞት ስዒሩ ምስ ተንስኤ ፡ ምስአ ከም ዝተራኸበን “ አይተደንጉይኒ ገና ናብ አቦይ አይደየብኩን ከም ዝበላን ቅዱሳን መጻሕፍትን ዓንቀጸ ሃይምኖትን የረድኡና ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ብዓሰርተ ሐደ መጋቢት 2007 አብ ዝሀብዎ አስተምህሮ ቅድስቲ ማርያም መግደላዊት ክርስቶስ ንሞት ስዒሩ ምስ ተንስኤ እንደገና ደጋጊማ ትረኽቦ መሲልዋ ኔሩ ንሱ ግን ብእግዚአብሔር ዝተዋህቦ ናይ ምድሐን ተግባር ፈጺሙ ናብ ቦትኡ

ስለ ዝተመልሰ ዝክአል ከም ዘይነበረ ጠቂሶም ፡ ንቅዱስ በርናርዶስ ዝበሎ ዘኪሮም ክአ ድሕሪ ትንሳኤ ክርስቶስ ንድሕሪት ምልስ ኢልና ክንርእዮ አይንኽእልን ኢና ነቲ ዝገደፈልና ሐዲሽ ሕይወትን ትምህርትን ክንክተል ዝሃበና ሐደራ አጽኒዕና ክንስዕቦ ከም ዘለና ከም ዝገለጹ ዝዝከር ኢዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፡ ማርያም መግደላዊት ዕድለኛ ኢያ ምኽንያቱ ንክርስቶስ ድሕሪ ትንሳኤኡ ስለ ዝርአየቶን ነቲ ታሪኽ ዝቀየረ ትንስኤኡ ክአ ንሐዋርያቱ ክተበስር ስለ ዝኽአለትን ።

ብዘይ እምነት ንክርስቶስ ክትርኢ ከም ዘይክአል ብእምነትን ብጸሎትን ብንጽሕናን ንዝቀረቦ ግን ንሱ ባዕሉ ብስሙ ክጽውዖ ከም ዝኽእል ዘመልከቱ ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት በነዲክቶስ ክርስቶስ ተንሲኡ ንዘለዓለም ክአ ይነብር ከም ዘሎን ክአ ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.