2009-07-23 14:10:44

ሕቡራት መንግሥታት፣ “ፍቕሪ ኣብ ሓቂ”


ፍቕሪ ኣብ ሓቂ እተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቲ ንናይ ቅድስቲ መንበር ኣብ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ተልእኮ ከምቲ ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ማኅበራዊ ጉዳይ ትምህርቲ መሠረታዊ መምርሒ ምዃና ኣብ ሕቡራት RealAudioMP3 መንግሥታት ዓለም ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ብፁዕ ኣቡነ ቸለስቲኖ ሚሊዮረ ከምዝሓበሩ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣመልኪቱ።

“እዛ ናይ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዓዋዲት መልእኽቲ ዓለም ሓቆፍ ጉዳያትን ሕቶታትን እተስተንትንን መምርሕን ምኽርን እተቕርብ ኢያ” ኢሎም። ሓቀይና ትርጉም ኤኮኖምን ምዕባለን እንታይ ምዃኑን ምሉእነት ሰብ ዘኽብር ከይዲ ናይ ፖሊቲካ ኤኮኖሚ ክህሉ ከምዘለዎ እትሕብር” ምዃና እውን ኣረዲኦም ቅድሚ ኣቲ ኣብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም ሕቡራት መንግሥታት ዓለም መበል 64 ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ ዘካይደሉ እዋን ኣብዛ ፍቕሪ ኣብ ሓቂ እተሰምየት ዓዋዲት መልኽእቲ ዘማእከለ ዓውደ መጽናዕቲ ክካይድ ምዃኑን፣ ኣብቲ መበል 64 ሓፈሻዊ ጉባኤ ድማ ትርጉም ዘለዎ ኣወንታዊ መልሲ ክወሃባ ተስፋ ኣለኒ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.