2009-07-21 14:16:10

“ዓመተ ክህነት” ኣብ ኮንጎ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝኣወጅዎ “ዓመተ ክህነት” ምኽንያት ናይ ኮንጎ ብፁዓን ጳጳሳት ንናይ ካህናቶም መንፈሳውን ሰብኣውን ተሓድሶ ዘተባብዕ፣ ናይ ሓባር መልእኽቲ ከምዘተሓላለፉ ተሓቢሩ። በዚ ውሽጣዊ ተሓድሶ RealAudioMP3 መሠረት ወንጌላዊ ምስክርነቶም ኣብ ሓገርን ወጻእን ብሓፈሻኡ ኣብ መላእ ዓለም ንጹርን ብርቱዕን ማራኽን ክኸውን ብፁዓን ጳጳሳት ሓደራ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ብፁዓን ጳጳሳት ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ዘመንና ሰብ “ካብ መምሃራን መሰኻኽር ከምዝሰምዕን፣ ተሰማዕነትን ተቐባልነትን ዘለዎ መምህር መስካሪ ምስ ዝኸውን ጥራሕ ኢዩ” እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ብምውካስ ካህናት እሙናት ናይ ወንጌል መሰኻኽር ክኾኑ ብምትብባዕን ኣብዚ ክቡር ናይ ሕይውት ዋጋን ሓቀይና ምስክርነትን ቅድስናን ስነ ምግባርን ግብረ ገብን ምዝባዓት ዝራኣየሉን ናይ ሓሶት ጉጅለ ሃይማኖታትን ኅብረ ሃይማኖትነትን ሓሶትን ምንንጽጻልን ሌላን ጉሌላን ድኽነትን ኣብ ዝስፋሕፋዓሉ ዘሎ ዓለም ሓቀይናን ናይ ሓቀይና ክቡር ወንገላዊ ሕይወት መሰኻኽር ኮይኖም ክርከቡ ተቐዲሶም ዝቕድሱ ጸላያንን መንፈሳውያን ኮይኖም ክርከቡ ሓደራ ከምዘብሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.