2009-07-21 14:20:17

“ካብ ስነ ሓሳብ ምዝባዕ ክንየው”


ፍቕሪ ኣብ ሓቂ እተሰምየት ናይ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዓዋዲት መልኽቲ ዝተወከሰ “ካብ ስነ ሓሳብ ምዝባዕ ክንየው” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ዝተዳለወ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ጎደና ኮለጆ ሮማኖ RealAudioMP3 ኣብ እትርከብ ቤተ ክርስያን ቅድስቲ ማርታ ይካየድ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

እዚ ስነ ምግባርን ዕዳጋን ምዕባለን ቁጠባን ኤኮኖምን ኣማእኪሉ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ መጽናዕቲ እቲ ኣብ ዓለምና ኣዚዩ እናተስፋሕፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ምዝባዕ ስነ ምግባር ናይ ኩሉ ውድቀት መሠረት ከምዝኾነን፣ ሥነ ምግባር ዘየኽብር ከይዲ ኤኮኖሚ መሠረት ዘይተመዓራረየ ናብራን ኣብ ስስዔን ንዓይ ይጥዓመንን ተደሪኹ ዝቐውም ዓለማውነት ምትእስሳር ዘረጋግጽን ጠንቂ ምስፍሕፋሕ ድኽነትን ኣብ መግኖ ሃብታማትን ድኻታት ዘሎ ናይ ናብራ ፍልይ ኣዚዩ ኣና ገፈሔን ኣብ ድኽነት ዝርከብ ናብ ሕሱም ድኽነት ነቐንቆልቁል ከምዝገብሮ ናይዚ ኵሉ ሽግር መፍትሒ ድማ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 በዛ ዓዋዲት መልእኽቶም ገይሮም ዝህብዎ መርሕን ስልጣናውን ትምህርቲ ብምትንታን ዝመያየጥ ዓውደ መጽናዕቲ ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.