2009-07-21 14:27:06

ዕረፍቲ ሓጋይ ቅ.ኣቦና ር.ሊ.ጳጳሳት


 ቅ.ኣቦና ር.ሊ.ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ሓጋይ እዋን ዕረፍቶም ካብ ዝጅምሩ ድሮ ካልኣይ ሰሙን ከምዝሓዙ እንክፍለጥ ናይ ዕረፍቶም ኩነታት ከምቲ ዝተመደበ ጽቡቕ ይቃናዕ ከምዘሎ ተመልኪቱ።

ክሳብ ሕጂ ኣብዘሎ እዋን እቲ ኩነታት ኣየር እውን RealAudioMP3 ጽቡቕ ኣሎ፣ ዝሓለፈ ሰንበት ናብቲ ኣብ ጎቦታት ኣልፕስ ዝርከብ ጥቓኦም ዘሎ ከተማ ሮማኖ ካናቨዘ ዝገበርዎ ምብጻሕ ኣዚዩ ዘሕጕስ ነበረ፣ ኣብኡ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት መልኣከ እግዚእብሔር መርሖም ኣብታ ሓዳስ ዓዋዲት መልእኽቶም ‘ካሪታስ ኢንቨሪታተ’ ፍቕሪ ኣብ ሓቂ እትብል ዘተኮረ ምኽንያት ስእነት ሥራሕን ቅልውላዋት ኤኮኖሚን ዘነጽር መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፣ ምስ ስድራን ቤተ ዘመድን ዋና ጸሓፊ ቅ.መንበር ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ ድማ ኣብ ናይ ምሳሕ ግብጃ ተሳቲፎም።

ቅ.ኣቦና ር.ሊ.ጳጳሳት ዝሓለፈ ሓሙስ ምሸት ብድንገት ወዲቖም ካብ ዘጋጠሞም ናይ የማናይ ጉንቦ ኢድ ማህሰይቲ ብዝተገበረሎም ሕክምና ጽቡቕ ይሓውዩ ከምዘለዉ እንክረጋገጽ ዝመጽእ ዓርቢ ምሸት ምስ 400 ዝኾኑ ካሀናት ቍምስናታት ከባቢ ጸሎተ ሠርክ ከቕርቡ መሪሕ ቃል ድማ ክህብዎም እዮም፣ ሰንበት 26 ሓምለ ከኣ ኣብቲ ጥቓኦም ዘሎ ኣደባባይ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ምስ ምእመናን ቁሸት ለኮምበስን መንፈሳውያን በጻሕትን ክራኸቡ እዮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.