2009-07-21 16:56:01

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ንስራሕ ዘይብሎም ሰባት አተባቢዖም.


ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብዚ ግዜ”ዚ አብ ዕረፍቲ ከም ዝርከቡ ክዝከር ከሎ አብቲ ዝርከብሉ ቦታ አብ አልቶ አዲጀ ሮማኖ ካናቨሰ ምስ ምእመናን ሐቢሮም መልአከ እግዚአብሔር ጸሎት አብ ዝደገምሉ ግዜ ብጠንቂ’ዚ ዘሎ ኤኮኖምያዊ ቅልውላው ነቶም ብስእነት ስራሕ ዝሳቀዩ ዘለዉ ሰባት ከም ዘበራታትዕዎም ይምልከት።

እዚ አብዚ እዋን”ዚ ብስእነት ስራሕ ዝጭነቅ ዘሎ ህዝቢ ተስፋ ከይቆርጽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጹ ክምልከት ከሎ ፡ ናይ ኤኮኖሚ ሰባት ኤኮኖሚ ንአገልግሎት ወዲ ሰብ ዝውዕለሉ ሜላ ክደልዩ ፡ ቅጥዒ ዘለዎ ኤኮኖምያዊ ሥርዓት ክህሉ ከም ዘተሐሳሰቡ ተፈሊጡ አሎ።

ልምዓት አብ ስድራ ቤት አብ ክብሪ ሰብ አብ ፍትሒ አብ ምትሕብባር ዝተመርኮሰ ልምዓት ክህሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ከም ዘመልከቱ ክአ ተገሊጹ።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ንመንእሰያት አብ ሞራል ዝተመሥረተ ባህሊ ምትሕልላፍ ከም ዘድሊ ጠቂሶም አሉታውን ተስፋ ዘይብሉን ባህሊ ካብ ምትሕልላፍ ምጥንቃቅ ከም ዘድሊ ጠቂሶም መንእሰያት ናይ መጻኢ ግዜ ተስፋ ምዃኖም አመልኪቶም ክአ እቲ ቅኑዕ ትርጉም ሕይወት ወዲ ሰብ ክፈልጡ ከም ዝግባእ ከም ዝገለጹ ተነጊሩ አሎ።

አብዚ አብ ኢጣልያ ብዙሐት ሰራሕተኛታት ብዛሕሊ ኤኮኖሚ ምኽንያት ካብ ስራሕ ይሰናበቱ ከም ዘለዉ ክምልከት ከሎ ፡ እቲ ዝዓበየ ሽግር ብሩህ መጻኢ ዕድል ስለዘይርኤ ምኻኑ ናይ ኤኮኖሚ በሰላት ዝሀብዎ መግለጺ ሐበሬታ ሂቡ አሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.