2009-07-18 14:29:10

መነባብሮ ማኅበረ ክርስትያን ዒራቕ


ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ወትሃደራ ካብ ኢራቕ ምውጻእ ካብ ዝጀመርሉ ዕለት ኣትሒዙ ኣብ ብዙሓት ከባቢ’ዛ ሃገር ዓመጽን ግብረ ሽበራን ይፍጸም ከምዘሎ ክንገር እንከሎ፣ እዚ ድማ RealAudioMP3 እቲ ብዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ባግዳድን ሞሱልን ብተኸታታሊ ኣብ ልዕሊ ናይ ካቶሊክ ኣቢያተ ክርስትያን ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ ዝምስክሮ ኢዩ።

እዚ ኣብ ዒራቕ ዝርኤ ዘሎ ጸረ ካቶሊክ ኣቢያተ ክርስትያን ግብረ ሽበራ ኣመልኪቶም ኣብ ባግዳድ ናይ ላቲን ሥርዓት እትኽተል ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ዣን ቤንጃሚን ስለይማን ምስ ረድዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ኣቢያተ ክርስትያናት ካቶሊክ ዝተፈጸሙ ናይ ሽበራ መጥቃዕቲ ተሓታቲ ኣነ ኢዩ ዝብለ ጉጅለ ብዘይምህላዉ፣ ኣብ ዒራቕ ማኅበረ ክርስትያን ራዕድን ፍርሕን ንምትእትታው ዝዓለመ ምዃኑ ኢዩ ዘረድእ። ብዙሓት ዓሌታውያንን ሃይማኖታውያን ናይ ፖለቲካ ኣካላት ዓሌትን ሃይማኖትን ዘማእከለ ፖለቲካ መሠረት ዒራቕ ቅርጺ ንምትሓዝ ዝተፈላለዩ ተበግሶታት ከነቓቕሑ ይርአዩ፣ ስለዚህ እዚ ክርስትያን ማኅበረሰብ እምነቱ ሓዲጉ ብኃይሊ ሃይማኖት ምስልምና ክቕበል ዝድርኽ ጥራሕ ዘይኮነስ ካልእ ሕቡእ ዕላማ ዘለዎ እውን ኢዩ ኢሎም።

እቲ ኣብ ዒራቕ ዝፍጸም ጸረ ክርስትያን መጥቃዕቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ኤውሮጳ እውን ሳዕቤን ከምዘለዎ ብጹዕ ኣቡነ ስለይማን ሓቢሮም፣ እዚ ማለት ድማ ካብቲ ዓመጽን ራዕድን ገዛእ ርእሶም ንምድሓን ብዙሓት ናብ ኤውሮጳ ኢዮም ዝስደዱ፣ ስለዚህ ናይቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኮነ ኣብ ዒራቕ ዝርኤ ዘሎ ሁከት ብተዘዋዋሪ ንኤወሮጳ እውን ዝትንክፍ ኢዩ ኢሎም። ኣብ ልዕሊ ማኅበረሰብ ክርስትያን ዝፍጸሙ ዘለዉ ግብረ ሽበራን ዓመጽን ዒላማኡ ከምዘይወቕዕ ፍሉጥ እውን እንተኾነ፣ ሰላማዊ ማኅበራዊ ናብራ ዝጸልውን ኣብ ማኅበረ ክርስትያን ፍርሕን ድላይ ስደትን ዘሕድር ከምዝኾነን ኣረዲኦም፣ ማኅበረ ክርስትያን ዒራቕ ኣብ ልዕሊ ፍርሕን ድላይ ስደትን ናይ ገዛእ ርሱ መንነት ብምዕታር እንተድኣ ተዓዊቱ ነዚ ዝወርዶም ዘሎ ሽግርን ስቓይን ኣብ ናይ ጽባሕ ዝበለጸ ተስፋ ኣሚኑ ክሰግሮ ከምዝኽእል ኣይጠራጠራን ኢዩ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.