2009-07-16 13:41:18

ኩባ


ኣብ ኩባ ብዝሓለፈ ሰንበት ዝተቐትሉ ወዲ 74 ዓመት ስፐናዊ ካህን ኣባ ማሪያኖ ኣሮዮ መሪኖ ንናይ ስፐይን ቤተ ክርስትያን ዓቢ ሓዘን ከምዝኾነን ልቢ ውሉደ ክህነትን ጳጳሳትን RealAudioMP3 ብሓዘን ከምዝተነከፈን ተገሊጹ። RealAudioMP3 ናይ ማድሪድ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ሮውኮ ቫረላን ተሓባበርቶምን ውሉደ ክህነትን ዝተሰመዖም መሪር ሓዘን ብምግላጽ ኣባ ማሪያኖ ኣሮዮ ፈታው ድኻታት ዓሚዩቕ መንፈሳውነት ዝመልኦም ካህን ከምዝነበሩን ኣብ ክህነታው ጸዋዕታኦም ምሉእ እማኔ ዝነበሮምን መፍቀሪ ቤተ ክርስትያኖም ከምዝነበሩን ዝፈለጥዎም ኵሉም ዝምስክርዎ ሓቂ ምዃኑ ናይ ማድሪድ ሰበኻ ብምኽንያት ሞት ኣባ መሪኖ ኣብ ዘተሓላለፎ መግለጺ ኣመልኪቱ፣ እግዚኣብሔር ኣብ መንግሥቱ ክቕበሎምን ንቤተሰቦምን ንቤተ ክርስትያን ኵባን ሰፐይንን ምጽንናዕ ክህብ ብፁዕ ካርዲናል ቫረላ ኵሉ ብጸሎት ክተሓባበር ሓደራ ከምዝበሉ ተገሊጹ። ኣብ ኩባ ርእሰ ከተማ ሃቫና ብፁዕ ካርዲናል ኻይመ ኦርተጋ ዝመርሕዎ ፍትሓት ጸሎት ከምእተኻየደ ከንገር እንከሎ፣ ናይ ኣባ ማሪያኖ ኣሮዮ ሬሳ ናብ ስፐይን ክላኣኽ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ከምቲ ብዝሓለፈ ዕለት 2 ለካቲት 2009 ዓ.ም.ፈ. ናይ ዝተቐትሉ ስፐናዊ ካህን ኣባ ኤድዋርዶ ደ ፉአወንተ ሞት ተሓተቲ ንምልላይ ናይ ሃቫና ናይ ገበን መርማሪ ፖሊስ ከም ዝጀመሮ ምርመራ ናይ ኣባ መሪኖ ኣሮዮ ቅትለት ተሓተቲ እውን ንምልላይ ምርመራ ይካይድ ከምዘሎን ክንገር እንከሎ፣ ክሳብ ሕጂ ተሓታቲ ከምዘይተለለየ ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.