2009-07-14 14:06:52

ዕረፍቲ ሓጋይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳጳሳት ተጀሚሩ


ቅ. ኣ. ር.ሊ.ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16  ትማሊ ሰኑይ ናይ እዋን ሓጋይ ዕረፍቶም ከምዝጀመሩ እንክምልከት ትማሊ ንጋሆ መጀመርያ ሓደ ሰዓት ብነፋሪት ድኅሪኡ ከኣ ፍርቂ ሰዓት ዝኸውን ብሄሊኮፕተር ድኅሪ ምጕዓዝ በቲ ዘደንቕን ኣዚዩ ዝምስጥን ተፈጥሮ ሞንተ ቢያንኮን ጎቦታት ኣልፕስን ሓሊፎም ኣብቲ ክሳዕ 29 ሐምለ ከዕርፉሉ ዝኾኑ ቁሸት ለኮምበስ ከምዝኣተዉ ተረጋጊፁ። RealAudioMP3

ቅዱስነቶም ትማሊ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቁሸት ለኮምበስ ምስ በጽሑ ኣቡን ኣኣኦስታ ብፅዕ ኣቡነ ጁሰፐ ኣንፎሲን ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኢንትሮድ ሲኞር ኦዝቫልዶ ናዉድንን ናይቲ ከባቢ ሕዝብን ሕፃናት ቤት ትምህርቲ ለኮምበስን ድሙቕ ኣቀባብላ ከምዝገበሩሎም ካብ ለኮምበስ ዝተመሓላለፈልና ዜና ኣመልኪቱ።

ቅዱስነቶም ኣብ ሰሜን ዓዲ ጣሊያን ቁሸት ለኮምበስ ናይ ክልተ ሰሙን ዕረፍቲ ድሕሪ ምሕላፍ 29 ሓምለ ናብቲ ክሳዕ መጨረሻ ወርሒ መስከረም ክጸንሑሉ ዝኾኑ መንበሪ ሓዋርያዊ ኣደራሽ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ካስተልጋንዶልፎ ክምለሱ እዮም።

ቅዱስነቶም ዝሓለፈ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብዝመርሑሉ ሥርዓት ናይ ሓጋይ ዕረፍቶም ጽቡቕ ምእንቲ ክኾነሎም ምእመናን ጸሎት ክገብሩሎም ኣተሓሳሶቦም ከምዝነበሩ ይዝከር፣ ቅዱስነቶም ኣብ ለኮምበስ ኣብ ዝጸንሑሉ ጊዜ ንዕረፍቶም ኣብ ምዝንጋዕን ጸሎትን መጽናዕትን ከሕልፍዎ ከምዝኾኑ ንጋዜጠኛታት ብዝሃብዎ መልሲ ኣረጋጊጾም ኣለዉ።








All the contents on this site are copyrighted ©.