2009-07-11 15:30:37

ፍልቀተ ሓሳብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሓድነት ቤተክርስትያን ዝተሰየመ ሰነድ ተኀቲሙ.


እቲ ካብ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዝምንጩ ብMotu proprio ዝፍለጥ ሰነድ “Ecclesiae unitatem” ማለት ሐድነተ ቤተክርስትያን ዝተሰየመ ሰነድ ከም ዝተኅትመ ተፈሊጡ አሎ።

እዚ ማለት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳጳሳዊ ኮሚስዮን ቤተእግዚአብሔር ዝሃንጽሉን መምርሒ ዝህብሉን ሥርዓት ከም ዝኾነ ይፍለጥ።

እዚ ጳጳሳዊ ኮሚስዮን”ዚ ብ1988 ብነፍሰሄር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ካልአይ ከም ዝተመስረተ ክዝከር ከሎ፡ ዝተመስረተሉ ምኽንያት፡ አብ ፈረንሳ ናይ ቅዱስ ፒዮ ማኅበር አባል ፈረንሳዊ ሊቀ ጳጳስ ማርሰል ለፍብረ ካብ ሕጊ ቆኖና ቤተክርስትያን ወጻኢ ብዘይ ፍቃድ ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ብገዛእ ርእሶም ነርባዕተ ካህናት ቅብዓተ ጵጵስና ምስ ፈጸሙሎምን ቤተክርስትያን ምስ ወገዘቶምን ከም ዝኾነ ዝዝከር ኢዩ።

ጳጳሳዊ ኮሚስዮን ቤተክርስትያን እግዚአብሔር ምስቲ Dottrina della Fede ማኅበር ትምህርቲ/ እምነተ ቤተክርስትያን ዝተአሳሰረ ከም ዝኾነ ክአ ተነጊሩ።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ ናይ ሰረተ እምነት ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ማኅበር ሊቀመንበር ብፁዕ ካርዲናል ዊልያም ዮሴፍ ለቫዳ ናይታ ኮሚስዮን ቤተክርስትያን እግዚአብሔር ሐላፊን አካያድን ክኾኑ ከም ዝሰየምዎም ተነጊሩ።

በቲ ቅድስቲ መንበር ዘውጽኤቶ Motu proprio ማለት ካብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝወጸ መስረተ ሓሳብ መሠረት እዚ ኮሚስዮን”ዚ ነቲ አብ መንጎ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን አብ መንጎ ማሕበር ቅዱስ ፒዮን ዘሎ ዘይምቅዳው ክፈትሕን እቶም ብሊቀ ጳጳስ ማርሰል ለፈብረ ካብ ሕጊ ቆኖና ቤተክርስያን ወጻኢ አቡናት ዝተቀብኡ ቤተክርስትያን ዘይፍለጠትሎም መሠረታዊ ፍታሕ ከም ዝደሊ እቲ ዝወጸ ሰነድ አመልኪቱ።

እዚ Pontificia Commissione Ecclesia dei ጳጳሳዊ ኮሚስዮን ቤተክርስትያን እግዚአብሔር ዝተሰየመ ኮሚስዮን”ዚ ክምሥረት ከሎ ብ1988 ብቋንቋታት ላቲንን ጣልያንን ዝወጸ ሰነድ ነዚ አብ መንጎ አባላት ማኅበር ቅዱስ ፒዮን ቤተክርስትያንን ዝተፈጥረ ዘይምቅዳው ሰላማዊን ክርስትያናውን ፍታሕ ክደሊ ተሐሲቡ ከም ዝነበረ እዚ ሕጂ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝወጸ ሰነድ አዘኻኺሩ አሎ ።

ብ1988 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ካርዲናል ከለዉ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝነበሩ ዮሐንስ ጳውሎስ ካልአይ ተወኪሎም ምስ ሊቀ ጳጳሳ ለፈብረ ሕገ ቆኖና ቤተክርስትያን ብዝምልከት ሰፊህ ዘተ ከም ዘካየዱን ዝሐልፈ ወርሒ መጋቢት ነርባዕተ አቡናት ማኅበር ቅዱስ ፒዮ ማለት ለፈብርያውያን ነቲ ውግዝና ከም ዘልዓሉሎምን ክዝከር ከሎ እቲ ጉዳይ ገና ግን መዕለቢ ከም ዘይረኸበ ይምልከት።

ዝኾነ ኾይኑ እቶም ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ንጳጳሳዊ ቢተክርስትያን እግዚአብሔር ክመርሑ ዝተሰየሙ ብፁዕ ካርዲናል ዊልያም ዮሴር ለቫዳ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ ልዕሊኦም ዘሕደርዎ እምነት አም አስጊኖም ፡ ነቲ አብ መንጎ ቤተክርስትያን ማኅበር ቅዱስ ፒዮን ዘሎ ዘይምቅዳው አብ ትምህርቲ ቤተክርስትያን ተመርኲሶም ፍታሕ ክረኽብሉ ከም ዝጽዕሩ መግለጺ ከም ዝሀቡ ተፈሊጡ አሎ።

ካብ 1988 ነዚ ጳጳሳዊ ኮሚስዮን”ዚ ዝመርሑ ብፁዕ ካርዲናል ዳርዮ ካስትዮን ሆዮስ ከም ዝንበሩ ክዝከር ከሎ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ በነዲክቶስ ንብፁዕ ካርዲናል ሆዮስ ነቲ ክሳዕ ሎሚ ዘካየድዎ ሙያ መልእክቲ ሰዲዶም ከም ዘመስገንዎም ክአ ተፈሊጡ አሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.