2009-07-11 13:34:23

ተመሃሮ መናብረተ ጥበባት ኤውሮጳ


“ሓደስቲ ልኡካነ ኤማውስን ከም ክርስትያን ኣብ መንበረ ጥበባትን” ብዝብል ጭርሖ ዝተመርሔ ናይ መላእ ኤውሮጳ ናይ መናብረተ ጥበባት ተመሃሮ ርክብ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ሮማ ይካየድ ከምዘሎ ተሓቢሩ። RealAudioMP3 እዚ ናይ መላእ ኤውሮጳ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ኅብረትን ናይ ሮማ ሰበኻ ናይ መናብረተ ጥበባት ጉዳይ ዝሓሊ ሓዋርያዊ ድርገት ዘዳለዎ ርክብ ኤውሮጳውያን ተመሃሮ መናብረተ ጥበባት ቅድሚ ትማሊ ኣብ ባሲሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘ ላተራኖ ከምእተጀመረ ተሓቢሩ።

“ድሕሪ ሞት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሓዋርያት እውን ሰንቢዶም ከምዝነበሩን ንሞት ስዒሩ ተንሲኡ አነ ኢዩ ቢሉን ልባቶም ብተስፋ ዳግም ክምላእን ገይሩ መሰኻኽር ዝገብሮም ሓይሊ ከምዘልበሶም ወንጌላዊ ሓቂ ኢዩ” እንክብሉ ኣብ ፖላንድ ናይ ፖዝናም ሰበኻ ተሓባባሪ ጳጳስ ናይ ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ኅብረት ናይ መንበረ ጥበባት ሓዋርያዊ ኖልዎ ዝሓሊ ቤት ምክሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ማረክ ጄድራስውስኪ ነቲ ጉባኤ ብወግዒ ክኸፍቱ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ገሊጾም፣ ነቶም 2 ሺሕ ዝግመቱ ካብ ዝተፈላለያ መናብረተ ጥበባት ኤውሮጳ ዝተዋጽኡ ተመሃሮ “ናይ ተስፋን መሰኻኽር ኢኻትኩም” ድሕሪ ምባል ቀጺሎም “እምነትና ምስ ክርስቶስ ምርኻብ ዝብል ጭቡጥ እምነት ኢዩ’ እዚ ማለት ድማ ግላዊ ርእየትን እግዚኣብሔር ጭቡጥ ከምዘይኮነን ዝገልጽ ርእየት ዝቃወም ኢዩ” ከምዝበሉ ተሓቢሩ።

እዚ ጉባኤ ተስፋን ሓድሽ ሕይወትን በሳል ፍቕሪን ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ኣስተምህሮታት ብምስማዕን ብምዝታይን ቀጺሉ ጽባሕ ኩሎም ተጋባእያን ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ በመል 16 ድርሕሪ ምርኻብ ክፍጸም ኢዩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.