2009-07-11 13:30:20

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅድስቲ መንበር ሓድሽ ናይ ሜክሲኮ ልኡከ መንግሥቲ ናይ መዝነት ደብዳቤ ተቐቢሎም


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ንጐሆ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ መክሲኮ ሓድሽ ልዑከ መንግሥቲ ንኽኮኑ ንዝተልኣዅ ሄክቶር ፈደሪኮ ሊንግ ኣልታሚራኖ ዘቕረብዎ ናይ መዝነት ደብዳቤት ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን RealAudioMP3 ናይ ቅድስት መንበር ምንጪ ዜና ይሕብር።

ቅዱስ ኣቦና ናይዞም ሓድሽ ሉኡከ መንግሥቲ ናይ ሹመት ደብዳቤ ኣብ ዝተረከብሉ ስነ ሥርዓት ኣገዳስነት “ናይ ሃይማኖት ነጻነትን ምኽባርን ንሕይወትን ንሓልዮ ቤተሰብን ምትሕብባርን ምትብባዕን” ዝተኮረ ዘረባ ከምዘስምዑ ድማ ተገሊጹ። “ማኅበረ ክርስትያን ንኅብረተሰብ ከበርክቶ ዝግባእ ብሉጽ ኣግልግሎት፣ ንጥዑይ ዴሞክራሲያዊ ባህሊ ንምህንጽን ናይ ሓባር ጥቕሚ ንምልላይን ዘበቕዕ ወንጌል ምብሳር ኢዩ” ቢሎም “እምነት ኣብ ማኅበራዊ ሕይወት ዘለዎ ተራ” ኣረዲኦም።

“በቲ ናይ ፍጥረት ሰብ ደረት ሰገር ባህርይን በቲ ብፍጹም ክገሃስ ዘይብሉ ናይ ወዲ ሰብ ክብሪ ብፍልዩይ መገዲ ዝገልጾ ናይ ሓይማኖት ነጻነት፣ ተወሳኺ መሰል ወይ ድማ ቤተክርስቲያን እትሓቶ ፍሉይ መሰል ዘይኮነስ፣ መሠረት ናይ ሰብኣውን መሰልን ፍቓድን ውሳኔ ኢዩ፣ ስለዚ ሃይማኖት ምእንቲ ናይ ሓባር ስኒት ተባሂሉ ኵሉ ኣብ ግሊ ሕይወቱ ዝነብሮ ናይ ግሊ ጉዳይ ጌርካ ምሕሳብን፣ ሥርዓት ኣምልኾ ምፍጻም ማለት ከምዝኾነ ጌርካ ምግላጽ ጌጋ ኢዩ” ኢሎም።

“ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን እዚ ዓይነት ናይ ሓይማኖት እወታዊ ኣበርክቶ ዘንጸባርቕ ርእየት ክትድግፍን ከተነቓቕሕን እንከላ፣ ኣብ ናይ ሕዝባውን ፖለቲካውን መዋቕራት እደ ኣታውነት ትፍጽም ማለት ኣይኮነን፣ ቤተክርስትያንን ናይ ፖለቲካ ማኅበረሰብን ክልተ ነናቶም ሓላፍነት ዘለዎም ዝተፈላለዩ ምዃኖም ተረዲድኦም ንናይ ግልን ማኅበራውን ጸዋዕታ ዘጋታት ዘገልግሉ ኢዮም” ኢሎም፣ ቀጺሎም “ኣብ መግኖ ቅድስቲ መንበርን ሜክሲኮን ዘሎ ናጻ ናይ ሓባር ርክብን ቅኑዕ ምትሕብባርን ንኢዶም፣ ኣብ መወዳእታ ንሕዝቢ ሜክሲኮ ዘሳቕዩ ድኽነት ዘይማዕርነትን ናይ ዘዕወልውሉ እጸዋት ንግድን ዓመጽን ንምብዳህ መንግሥትን ሕዝብን ሜክሲኮ ኣብ ናይ ቤተክርስትያን ቀኑዕን ምትሕብባር ክኣምኑን ኣተሓሳሲቦም፣ ግብረ ገባዊ ተሓድሶን ሕንጸተ ኅሊናን ሓቀይና ናይ ሕይወት ባህሊ ኣገዳሲ ኢዩ” ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንገር መግለጺ የመልክት።

ሕድሽ ልኡከ መንግሥቲ ሜክሲኮ ብተራኦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ “እምነት ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ምንባር ማለት ንናይ ኅብረተሰብ ምዕባለ ዝድርኹ ፍትሕን ሰላምን ብምንቕቓሕ ዓመጽን ምግባረ ብልሽውናን ብሓፈሻኡ ጸረ ክብሪ ሰብ ዝኾነ ተግባራት ንምውጋድ ዝመርሑ መሠረታውያን ሕግታትን ሕይወት ዝህብ ናይ ተስፋ ባህሊ ምስዓብ ማለት ኢዩ” ከምዝበሉ ተሓቢሩ።

ናይ ቅድስቲ መንበርን እስራኤልን ናይ ሓባር ድርገት

ናይ ቅድስቲ መንበርን እስራኤልን ናይ ሓባር ድርገት ቅድሚ ትማሊ ኣብ ናይ እስራኤል ቤት ጽሕፈት ናይ ወጻኡ ጉዳይ ሚኒ. ኣኼባ ከምዘካየደ ተሓቢሩ። እዚ ኣብ ስምምዓት ኤኮኖሚ ዝተኮረ ናይ ሓበር ዘተ ድሕሪ ምዝዛሙ ዝተዘረግሐ ናይ ሓባር መግለጺ ከምዘመልክቶ “እቲ ርክብ ኣብ ምክብባርን ምሕዝነት ዝተመሥረተ ከምዝነበረን፣ ናብቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ቅድስቲ መንበርን ንክብጻሕ ዝድለ ዘሎ ስምምዕ ዝመርሕ ከምዝኾነን፣ ቀጻሊ ርክብ ዕለት 26 ነሓሰን ዕለት 15ን 16 መስከረምን ዕለት 14ን 15 ጥቅምትን ዕለት 11ን 12 ሕዳርን ዕለት 10 ታሕሳስን 2009 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ቅድቲ መንበር ክካየድ ምዃኑ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.