2009-07-09 13:50:29

ኩነታት ሕዝቢ ሶማሊያ


ኣብ ሶማሊያ በቲ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ሓይልታት ዝካየድ ዘሎ ውግእ ምኽንያት ናይ ብዙሕ ሰብ ሕይወት ይጠፍእን ብዙሓት ቤቶም ንብረቶም ሓዲጎም ንኽመዛበሉ ይድርኽ ከምዘሎን RealAudioMP3 ኣብ ሞቓዲሹ ዝርከብ ጨንፈር ዶብ ኣልቦ ማኅበር ሓኻይም ከምዝገለጸ ተሓቢሩ። እዚ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሓኻይም ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበር በቲ ኣብ ሶማሊያ ተኸሱቱ ዘሎ ዕግርግር ምኽንያት ኣብ ሶማሊያ ዝርከቡ ኣባይቲ ሕክምናታቱ ክዓጽው ዘውጽኦ መገልጺ የመልክት።

እቲ ዶብ ኣልቦ ናይ ሓኻይም ማኅበር ኣብ ሶማሊያ ዝህቦ ናይ ኣገልግሎት መደባቱ ዝመርሑ ኣልፎንሶ ቨርዱ “ብዙሓት ናይ’ዚ ማኅበር ቤት ሕክምናታት ናይ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ንኸይህቡ ብዕጡቓት ሓይልታት ከምዘመቱን” ሓቢሮም። “ሕዝቢ ሶማሊያ ዝረኽቦ ዝነበረ ናይ ሕክምናን ናይ ሰብኣዊ ደገፍ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ሕዝቢ ነዘስካሕክሕ ሽግር ተቓሊዑ ከምዝረክብ ድማ ኣብ ሶማሊያ ናይ ዶብ ኣልቦ ሓኻይም ማኅበር ተልእኾ ኣመሓዳሪ በኒቶ ሌዱክ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.