2009-07-09 13:52:07

ሆንዱራስ


ኣብ ሆንዱራስ ብዝተፈጸመ ዕልዋ መግንሥቲ ምኽንያት ካብ ስልጣኖም ዝተሰጉን ኣብ ስደት ዝርከቡ ርእሰ ብሔር ማኑኤል ዘላያ ዝተክኡ ርእሰ ብሔር ሮበርቶ ሚከለቲ ነቲ ኣብዛ ሓገር ተኸሲቱ ዘሎ ፖለቲካውን ማሕበራውን ቅልውላው ንምፍታሕ ምስ ዝሽምግሉ ዘለዉ RealAudioMP3 ናይ ኮስታ ሪካ ርእሰ ብሔር ኦስካር ኣሪያስ ክራኸቡ ምዃኖም ተሓቢሩ።

ናይ ርእሰ ብሔር ሓላፍነት ተረኪቦም ዘለዉ ሜኬለቲ “ዘላያ ንሕግን ፍትሕን ሆንዱራስ ገዛእ ርእሶም ከረክቡ ድላይ እንተዘይብሎም ናብ ሆንዱራስ ክመለሱ ዝብል ሕቶ ቅቡል ኣይኮነን” ቢሎም “ኣብ ሆንዱራስ ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረት ንምፍታሕ ንምዝታይ ቅሩባት ኢና” ከምዝበሉን “ኣዚ ውሳኔ እዚ ንናይ ኮስታ ሪካ ርእሰ ብሔር አሪያስ ብስልኪ ከምዝገለጾም” ኣመልኪቶም ኣለዉ።

እቲ ብናይ ዕልዋ መንግሥቲ መስርሕ ኣብ ሆንዱራስ ቆይሙ ዘሎ መንግሥቲ ኣብ ስደት ዝርከቡ ርእሰ ብሔር ዘላያ ንናይ ሆንዱራስ ሕጊ ክርከቡ ዘመሓላለፎ ሕቶ ተቐባልነት ከምዘይብሉ እንክሕበር ብዝሓለፈ ሰንበት እቶም ኣብ ስደት ዝርከቡ ርእሰ ብሔር ማኑኤል ዘላያ ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ኣሳፊራ ናብ ከተማ ተጉቹጋልፓ መዕርፎ ነፈርቲ ዘቕንዔት ነፋሪት በቶም ነቲ ዕልዋ መንግሥቲ ዝፈጸሙ ወትሃደራት ናብ ሆንዱራስ ንእኸይትኣቱ ከምእተገደትን ኣብ መንጎ ደገፍቲ ርእሰ ብሔር ዘላያን ሓይሊ ጸጥታን ግጭት ከምእተኻየደን ዝዝከር ኢዩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.