2009-07-08 08:31:54

መበል 30 ዓመት ዕለት በጻሕቲን ገያሾን


RealAudioMP3 ዕለት 27 መስከረም 2009 ዓ.ም.ፈ. ብዝብዕል መበል 30 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ በጻሕትን ገያሾን ምኽንያት ናይ ስደተይናታትን ናይ ጋያሾን ሓዋርያዊ ሓልዮት ጳጳሳዊ ቤት ምክሪ መልእኽቲ ከም ዘተሓላለፈ ተገሊጹ። እዚ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ “ዘይምርድዳእን ካብ ሓደ ዓይነታዊ ምድጋምን ዘይቀያየርን ከይዲ ካብ ዘስዕቦ ሓደጋ ንምልቓቕ ኣብ ኃላፍነትን ኣብ ስነ ምግባርን ዝቖመ መደብ በጻሕትን ገያሾን ምንቕቓሕ የድሊ። እዚ ናይ ምብጻሕን ምግያሽን ባህሊ ዝተፈላለዩ ባህልታትን ሕዝብታትን ዘራኽብን ዘላልን ከምዝኾነን፣ እቲ ፍልልያት ነቲ እግዚአብሔር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘንበሮ ናይ መለለዪ ኣሰር ንኽስትንተን ዘተባብዕ ክኸውን ከምዘለዎ” ኣብቲ ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ ተገሊጹ ይርከብ።

እቲ መበል 30 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ በጻሕትን ገያሾን “ናይ ምብጻሕን ምግያሽን ባህልን፣ ባህላውዊ ፍልልያት ዝብዕለሉ ኩነት ኢዩ” ብዝብል መሪሕ ቃል ክስነ ምዃኑ ክንገር እንከሎ። “ሓደ ሰብ ንኻልእ ሰብ ንኽቕበል ዝድርኾን ሓደ ምስ ሓደ ዘራኽብን ነቲ ናይ ስነ ሰብእ ሃብቲ ዝኾነ ፍልልያት ዘላልን ማሕበራዊ ጉዳይ ኢዩ። ኣብ ሃረርታ ሓቀይና ሰላም ዝተመሥረተ ናይ ባህልታትን ሃይማኖታትን ምርኻብን ምቅርራብን ምልላይን እናተረጋገጸ ኣብ ዝኸየድሉ ዘሎ እዋን፣ እቲ ኣብ መንጎ ማሕበረሰብ ምክፍፋልን ምቕሕሓር ዘተኣታትው ዘይምቅዳውን ዘይምርድዳእን ጃምላዊ ቅድመ ፍርድታትን ዝረኣዩ ሌላ ጉሌላን ዓለታዊ ጽልእን ዘይምቅብባልን ብናይ ምግያሽን ምብጻሕን ባህሊ ናብ ናይ ሓባር ምቅብባል ባህሊ ክቕየር ከምዝኽእልን፣ እዚ ድማ ነቲ ኣብ ምክብባር ዝተመሥረተ ሃናጽን ኣጣማርን ናይ ሓባር ዘተ ክህሉ ከምዘተባብዕ” ኣብቲ እቲ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘተሓላለፎ መልእክቲ ተብራርህሪሁ ኣሎ።

“ናይ ምብጻሕን ምግያሽን ባህሊ ነቲ እትራኸቦ ካብቲ ናትካ ፍልይ ዝበለ ባህልን ማኅበረሰብን ጽን ክትብሎ ዘተባብዕ እውን ከምዝኾነን ባህልኻ ኣብ ገዛእ ርእሱ ተዓጽዩ ንኸይተርፍን ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ባህልታትን ንኽላለያን ክቀባበላን ዝድግፍ ማኅበራዊ ክስተት ኢዩ፣ እቲ ክሱት ፍልልያት ናይ እግዚኣብሔር ሚስጢር እጹብነቱ ዝገልጽ ከምዝኾነ እቲ ፍልልያት በዚ ዓይነት እምነትን ኣመለኻኽታ እንተድኣ ተነቢቡ ሃብትን መሠረት ርክባትን ከምዝኸውን” ኣብቲ ዝተመሓለፈ መልእኽቲ ተገሊጹ ኣሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.