2009-07-07 13:51:09

ዓለም ሐቆፍ ማሕበረሰብ ንሃቲ ሰብእዊ ረዲኤት ክልግስ ተማሕጺኖም፡


ዓለም ሐቆፍ ማሕበረሰብ አብ ዝሐለፉ ወርሐት ብጠንቂ ተፈጥሮአዊ መቅዘፍቲ አብ ካራይቢ አብ ዓቢ ሽግር ዝወደቀ ህዝቢ ደሴት ሃይቲ ሰብአዊ ህጹጽ ረዲኤት ክህብ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ከም ዝተማሕጸኑ አብ ቫቲካን ዝወጸ መግለጺ አመልኪቱ አሎ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ ምሕጽንታ”ዚ ዘቅረቡ አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ደሴት ሃይቲ ሐዲሽ አምባሳደር ካርል ሄንሪ ጊተ ተቀቢሎም ድሕሪ ምዝርራቦም ከም ዝኾነ እቲ መግለጺ ሐበሬታ ሂቡ አሎ ።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሃይቲ ሐዲሽ አምባሳደር ኮይኖም ዝተሰየሙ ካርል ሄንሪ ጊተ ተቀቢሎም አብ ዘዘራረብሉ ግዜ፡ ህዝቢ ሃይቲ ፍትሐዊ ሰላማዊ ሕይወት ከሕልፍ ዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ ንክዕወት ዘለዎም ተስፋ ከም ዝገለጹ ክአ እቲ መግለጺ አመልኪቱ።

አብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን አብ መንጎ ሃይቲን ዲፕሎማስያዊ ርክብ ካብ ዝጅመር አብ ዝመጽእ ዘሎ ቀረባ ግዜ መበል 150 ዓመት ከም ዝረግጽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዘኪሮም፡ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሃይቲ ብሰበ ስልጣናት መንግስትን ህዝቢ ሃይቲን ምስግንቲ ከም ዝኾነት እዚ ክአ ሰናይ ንምዕባሌ ከም ዝሕግዝ ከም ዝገለጹ ተገሊጹ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት በነዲክቶስ አብ ዝሐለፈ አዋርሕ አብ ሃይቲ ዝተኸሰተ ፡ ማዕበልን ህቦብላን አብ ልዕሊ ሕይወት ሰብን ሕርሻን ዘውረዶ ሐደጋ ዘሕዝን ምዃኑ ጠቂሶም ሀገራት ሐቆፍ ማሕበረሰብ ንዳግመ ህንጻ ሃይቲ ክተሐባባር አጽኒዕም ከም ዘተሐሰሰቡ ተፈሊጡ አሎ ።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ ሃይቲ ሰብአውን ክርስትያናውን ክብርታት ክዕቀቡ መንግስቲ ሃይቲ ማሕበራዊ ሽግራት አብ ምፍታሕን ምንጋስ ፍትሕን ሰላምን ከቅልብ ነቶም አብ ቫቲካን ናይታ ደሴት ሐዲሽ አምባሳደር ካርል ሄንሪ ጊተ ከም ዘተሐሰሰብዎም ክአ ይምልከት።

አብ ካራይቢ ትርከብ ሃይቲ አብ ትሕቲ መግዛእቲ ፈረንሳ ከም ዝነበረትን ቅድሚ ኩለን ሃገራት ላቲን አመሪካ ብ1804 ነፃ ከም ዝወጸትን ክዝከር ከሎ ካብተን አዝየን ድኻታት ዝብሃላ ሀገራት ዓለም ሐንቲ ከም ዝኾነት ይፍለጥ።








All the contents on this site are copyrighted ©.